Fana: At a Speed of Life!

ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ ንምዝዛም ተወሳኺ 60 ቢሊየን ብር ከምዘድሊ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንምዝዛም ተወሳኺ 60 ቢሊየን ብር ከምዘድሊ ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ ገሊፆም።

ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ኣተሓባባሪ ህዝባዊ ተሳትፎ እቲ ግድብ መበል 14 ጉባኤኡ ኣሳሊጡ።

ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ፥ ሓፈሻዊ ኣፈፃፅማ እቲ ፕሮጀክት 88 ሚኢታዊ ከምዝበሐ ተዛሪቦም።

እቲ ፕሮጀክት ሙሉእ ንሙሉእ ንምዝዛም ተወሳኺ 60 ቢሊየን ብር ከምዘድሊ አወን ሓቢሮም።

ስለዝኾነ እቲ ግድብ ንምዝዛም ዝግበር ተሳትፎ ህዝቢ ክጠናኸር ከምዝግባእ ገሊፆም።

ነቲ ፕሮጀክት ክሳብ 2014 ዓ.ም ዝተገበረ ወፃኢ 172 ቢሊየን ብር ከምዝበፅሐ ኣረዲኦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.