Fana: At a Speed of Life!

ፖሊስ ኣዲሰር ኣበባ ፅባሕ ኣብ ዝኽበር በዓል ዒድ ኣል-ኣአድሃ (ዓረፋ) ዝዕፀዉ መገዲታት ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2014 (አፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ኣዲሰር ኣበባ ፅባሕ ዝኽበር መበል 1 ሺሕን 443 በዓል ዒድ ኣል-ኣአድሃ (ዓረፋ) ምኽንያት ብምግባር ዝዕፀዉ መገዲታት ዕላዊ ገይሩ።

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕነንትን በዓል ዓረፋ ብሰላም ንኽዛዘም፥ ኣድላዪ ምድላዉ ዛዚሙ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ፡፡

ዒድ ሶላት ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ዝተወሰኑ መገዲታት ንተሸከርከርቲ ዕፁት ከምዝኾኑ እውን ተገሊፁ፡፡

ብመሰረት እዚ፡-

Ø ካብ ቦሌ መንገድ ኣየር፣ ብኣዳራሽ ሚሊኒዬም ናብ ለገሃር የዝወስድ መገዲ ደንበል ሲቲ ሴንተር ወይ እውን ከባቢ ኣደባባይ ኦሎምፒያ

Ø ካብ መገናኛ ፣ ብሃያ ሁለት ናብ ለገሃር ከምኡ እውን ካብ ቦሌ መድሃኔኣለም ፣ ብኣትላስ ሆቴል ናብ ኣደባባይ መስቀል ዝወስድ መገዲ ኡራኤል ቤተ-ክርስቲያን ከባቢ

Ø ካብ ኣራት ኪሎ ናብ ኣደባባይ መስቀል ዝወስድ መገዲ መጋባእያ ባሻ ወልዴ ወይ እውን ፓርላማ መብራት

Ø ካብ ፒያሣ ናብ ለገሃር የሚወስደው ዝወስድ መገዲ ቸርችል ጎዳን ኣደባባይ ቴዎድሮስን

Ø ካብ ተክለሃይማኖት፣ ብሜትሮሎጂ ናብ ለገሃር ዝወስድ መገዲ ቤት ዕዮ ሜትሮሎጂ ከባቢ

Ø ካብ ተክለ ኃይማኖት ፣ ብሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ዝወስድ መገዲ መንገድ ከባቢ ድሕሪ በሪ ጥቁር ኣንበሳ

Ø ካብ ሲኒማ ራስ ብጎላ ሚካኤል ናብ ለገሃር ዝወስድ መገዲ ጎላ ሚካኤል መስቀለኛ

Ø ካብ ጌጃ ሰፈር ፣ ሓለዋ ጥዕና፣ ብሄራዊ ቲያትር ዝወስድ መገዲ ጎማ ቁጠባ

Ø ካብ መጋባእያ ባሻ ወልዴ፣ ብገራዥ ኦርማ ናብ ፍል ውሃ መስጊድ ዝወስድ መገዲ ንግድ ማተሚያ ቤት

Ø ካብ ጎፋ ፣ ብቂርቆስ ቤተ-ክርስቲያን ናብ ለገሃር ሓዱሽ መገዲ  ዝወስድ መገዲ ቂርቆስ ቤተ ክርስቲያን መስቀለኛ ከባቢ

Ø ካብ ጦር ሃይሎች ፣ ልደታ ፣ ፖሊስ ሆስፒታል ኣደባባይ ሜክሲኮ

Ø ካብ ሳሪስ ብጎተራ ናብ ኣደባባየ መስቀል ነበር ራብዓይ ክፍለጦር

ይለፍ ለሌላቸው ተሽከርካሪዎች ከለሊቱ 10፡00 ሰዓት ጀምሮ ዝግጅቱ እስከሚጠናቀቅ መንገዶቹ ዝግ ይሆናሉ

ይሕለፍ ዘይብሎም ተሸከርከርቲ ካብ ለይቲ ሰዓት 10 ጀሚሮም እቲ ምድላው ክሳብ ዝዛዘም እቶም መገዲታት ዕፁት ክኾኑ ኢዮም፡፡

እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ፥ ንተኸተልቲ እቲ እምነት በዓል ዓረፋ ናይ ፍቕሪ፣ ሰላምን ደስታን ንኽኸውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.