Fana: At a Speed of Life!

ፖሊስ ፌዴራል 600 ሰልጠንቲ ኣመራርሓታት ኣድማ ብተናን ፀረ ፈንጂን ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኣብ መሰልጠኒ ኣዋሽ 7 እናሰልጠኖም ዝነበሩ 600 ሰልጠንቲ ቀዳማይ ዙር ኣመራርሓታት ኣድማ ብተናን 4ይ ዙር መሰረታዊ ፀረ ፈንጂን ኣመሪቑ።

ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ደመላሽ ገብረሚካኤል፥ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተረኺቦም ንተመረቕቲ መምርሒ ስራሕ ሂቦም።

እቶም ኮሚሽነር፥ “ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ምስ ሚኒስቴር ምክልኻልን ሓይሊታት ፀፅታ ክልልን ብምውዳድ ኢትዮጵያ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምስግጋር ብልዑል መስዋእትነት እናሰርሑ ኣብ ዝርከቡሉ እዋን ንምረቓ ምብቃዕኹም እንኳ ኣሐጎሰኩም” ኢሎም፡፡

ተመረቕቲ ኣብ መሰልጠኒ ፃንሒቶም፥ ባህሊ ጭዋነት ፖሊስ፣ ስራሕቲ ለውጢ ትካል፣ መሪሕነትን ግደ ምምራሕን፣ ኣድማ ብተና፣ ኮምባስ፣ ንባብ ካርታን ‘ጂፒኤስ’ (GPS)ን፣ ምቁፅፃር ሓደገኛ መዐወኒ ሓሺሽ፣ ፀረ-ፈንጂ፣ ትምህርቲ ቀዳማይ ረዲኤት ሕክምና ከምዝወሰዱ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ ተረኺቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.