Fana: At a Speed of Life!

1 ሺሕን 440 ኢትዮጵያውያን ካብ ጂዳ ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)1 ሺሕን 440 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑዲ ዓረብ፣ ጂዳ ናብ ሃገሮም ኣብ ወርሒ መስከረም 2013 ዓ.ም ከምዝምለሱ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ጄኔራል ጉዳያት ቆንስላ እቲ ሚኒስቴር ኣይተ መስፍን ገብረማርያም፥ እቶም ዜጋታት ካብ 6 ክሳብ 26 መስከረም 2013 ዓ.ም ንምምላስ ዘኽእል ምድላው ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ቀፃሊ ዕለተ ሓሙስ 300 ዜጋታት ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ሓቢሮም።

እቶም ዝተረፉ ስደተኛታት እውን ኣብ ዝቕፅል ከምዝምለሱ ዝሓበሩ ኣይተ መስፍን፥ እቶም ተመለስቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ስዑዲ ዝኣተዉን ኣብ ቤት ማእሰርቲን መፅንሒ ስደተኛታትን ዝነበሩን ኢዮም ኢሎም።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምስ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ኢትዮጵያ ኣብ ጅዳን መንግስቲ ስዑዲ ዓረምን ምስ ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት(አይ ኦ ኤም) ብምትሕብባር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.