Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክሊ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ምርጫ ዘስዕቦ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ዘድሃበ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኣብ ክሊ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ምርጫ ዘስዕቦ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ዘድሃበ ዘተ ተኻይዱ።
እቲ ኣብ መድረኽ ሓዱስ ወግዒ ዝግበር ዘሎ ዘተ፥ ሰላምን ደሕንነትን ኣብ እዋን ምርጫ ዝብል ርእሲ ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ።
እስክንድር ፍሬው ካብ ድምፂ ኣሜሪካ፣ ኤደን ብርሃነ ካብ ዓለም ለኸ ትካል ምፅራይ ሓበሬታን ሰለሙን ጎሹ በዓል ሞያ ሕጊ መራኸቢ ሓፋሽ ብተዛተይቲ ኣብቲ መድረኽ ከመዝተሳተፉ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ኣይተ ሰለሞን ጎሹ፥ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ማዕቐፍ ሕጊ ኣብ ዘለወን ሃገራት ብሕጊ ከምዝዳነ ኣረዲኦም።
ብብርኪ ዓለም ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብሓፈሻ ኣብ ህንፀት ዴሞክራሲ ከምኡውን ኣብ ከይዲ ምርጫ ዕንቅፋት እንትኸውን ይርአ ኢዩ ኢሎም።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.