Fana: At a Speed of Life!

2ይ ዙር ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 28 ለካቲት ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙር ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዝጅመረሉ ግዘ ዕላዊ ገይሩ።

ብመሰረት እዚ ካልኣይ ዙር ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 28 ለካቲት 2012 ዓ.ም ከምዝጅመሩ እቲ ፌዴሬሽን ነተን ጋንታታት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ ኣፍሊጡ።

15 ፀወታታት ኣብ ዘተኣናገደ ቀዳማይ ዙር ውድድር ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ፥ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ 28 ነጥቢ ብመሓዝ ነቲ ሊግ ብመሪሕነት ዛዚማቶ ኢያ።

ፋሲል ከነማ ብ26 ነጥቢ ካልአይቲ፥ መቐለ 70 እንደርታ ድማ ብ25 ነጥቢ ሳልሰይቲ ብምዃን ውድድረን ክዛዝማ ክኢለን ኢየን።

ሃድያ ሆሳእና፣ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ድሬዳዋ ከተማን፥ ሓደጋ ምውራድ ዘንፀላለወን ጋንታታት ኮይነን ቀዳማይ ዙር ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ውድድረን ዛዚመን ኣለዋ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.