Fana: At a Speed of Life!

20 መስከረም ንዝካየድ መረፃ እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)20 መስከረም ንዝካየድ መረፃ እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣማኻሪት ኮሙዩኒኬሽን እቲ ቦርድ ሶሊያና ሽመልስ ከይዲ ምድላው እቲ መረፃ ኣመልኪተን ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ ኣብ ዝተናወሐ መረፃ 7 ነጥቢ 6 ሚሊየን ከ,ህዝቢ ከምዝሳተፈሉ ገሊፀን፡፡

እቲ ቦርድ መረፃ ንምክያድ ኣድላዪ ምድላው ከምዝገበረ አገንዚበን።

እቲ መረጻ ንምክያድ 30 ሺሕ ዝፅግዑ ኣፈፀምቲ መረፃ ከምዝተዳለዉ እውን ተዛሪበን፡፡

ኣብ ክልላት ደቡብ ሱማሌን ሃረሪን 20 መስከረም ዝካየድ መረፃ፥ 47 ንቤት ምኽሪ ክልላት 107 ድማ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝተዳለዉ ክልላት መረፃ ከምዘለዉ እተን ኣማኻሪት ገሊፀን፡፡

22 ፓርቲታት ፖለቲካ ዝሳተፉ እንትኾኑ፥1 ሺሕን 236 ሕፁያት ኣብቲ መረፃ ከምዝሳተፉ ተገሊፁ፡፡

ህዝበ ውሳነ ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ እውን ኣብ ዝተትሓዘሉ መዓልቲ 20 መስከረም ሓቢሩ ክሳለጥ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.