Fana: At a Speed of Life!

200 ሰባት ኣሳፊራ እናተጓዓዘት ዝነበረት ጀልባ ኣብ ደሴታት ካናሪ ከምዝጠሓለት ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)200 ሰባት ኣሳፊራ ናብ ስፔን እናተጓዓዘት ዝነበረት ጀልባ ኣብ ደሴታት ካናሪ ከምዝጠሓለት ሰራሕተኛታት መድሕን ህይወት ስፔን ኣፍሊጦም።

ካብ ደቡባዊ ሴኔጋል ተላዒለ ናብ ደሴት ካናሪ እናምረሐት ከምዝነበረት ዝተሓረላ መግፈፊት ዓሳ ጃልባ÷ ህፃናት ሓዊሱ 200 ስደተኛታት ኣሳፊራ ከምዝነበረት ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ክሳብ ሕዚ ኣሰራ ከምዘይተረኸበን ኣለሻ ከምዝቐፀለን እውን እቶም ሰራሕተኛታት መድሕን ህይወት ገሊፆም።

እታ ጃልባ÷ ካብ ቴኔሪፌ ስፔን 1 ሺሕን 700 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ካብ ትርከብን ካፎንቴን ዝተብሃለትን ከከተማ ጠረፍ ባሕሪ ሴኔጋልን ከምዝተልዓለት እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ።

ንኣለሻ እታ ጀልባ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ካብ ሰራሕተኛታት ብተወሳኺ ብኣውሮፕላን ዝተሓገዘ ኣለሻ እናተገበረ ምዃኑ ሓይሊ ባሕሪ ስፔን ኣፍሊጡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.