Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞንጎ ክልላት ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ዝሕግዝ መፅናዕቲ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ሰላም ኣብ ሞንጎ ክልላት ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ክሕግዝ ተባሂሉ ኣብ ዝተኻየደ ወፅኢት መፅናዕቲ ኣድሂቡ ምዝታዩ ገሊፁ።

ሚኒስቴር ሰላም ኣብ ሞንጎ ክልላት ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕን ርክበን ንምጥንኻርን ብመፅናዕቲ ዝተሓገዙ ስራሕቲ እናሳለጠ ምዃኑ ጀነራል ዳይሬክተር ፌዴራሊዝምን ፍሉይ ሓገዝን እቲ ሚኒስቴር ፕሮፌሰር ደገፋ ቶሎሳ ተዛሪቦም።

ዕላማ ናይቲ ቅድመ መፅናዕቲ ድማ ኣብ ሞንጎ ክልላት ዝረአ ፀገም ፎረም ምትሕብባር ብምፍላይን መፍትሒ ሓሳብ ብምቕማጥን ርክበን ክጠናኸር ንምግባር ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብ ሚኒስቴር ሰላም ዳይሬክተር ፌዴራሊዝምን ርክብ መንግስታትን ኣይተ ፀጋብርሃን ታደሰ ብግደኦም፥ እቲ መፅናዕቲ ኣብ ሞንጎ ተጎራበትቲ ክልላት ዘሎ ርክብ ዝርከበሉ ብርኪ ንምፍላይ ተሓሲቡ ዝተካየደ መፅናዕቲ ኢዩ ኢሎም።

ክልላት ኣብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፣ ዘፈር ፀፅታ፣ ፋይናንስ፣ ትምህርቲን ጥዕናን ብዝምልከት ዘለወን ሕድሕድ ርክብ ዘጠቓለለ መፅናዕቲ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

እቲ መፅናዕቲ ኣብ ሞንጎ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ ዓፋርን ቤኒሻንጉል ጉምዝን ዘሎ ኩነታት ርክብ በይነ መንግስታት ትኹረት ዝገበረን ሰለስተ ጉጅለታት ብምውዳብ ከምዝተኸየደን ተገሊፁ።

ፀብፃብ ናይቲ መፅናዕቲ፥ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተልዓሉ ተወሰኽቲ ሓሳባት ናይ ምጥንኻር ስራሕቲ ምስተሰርሐ ንተገልገልቲ ዕላዊ ክግበር ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሰብ ሞያታትን ኣመራርሓታትን ዓውዲ ፌዴራሊዝምን ጉዳያት ሰበኽ ሳግምን ምክፋሎም ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.