Fana: At a Speed of Life!

35 ሺሕ 870 ወገናት ካብ ጎደና ብምልዓል ስራሕቲ ምጥያሽ ከምዝተወገነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 35 ሺሕ 870 ወገናት ካብ ጎደና ብምልዓል ስራሕቲ ምጥያሽ ከምዝተወገነ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ገሊፁ።

ወፃኢኡ ብመንግስቲ ከምዝተሸፈነ እውን ኣብቲ ሚኒስቴር መራሒ ጉጅለ ርክብ ህዝቢን ኮሙዩኒኬሽንን መላኩ ባዬ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

ካብዚ ብሳኺ ብመርሃ-ግብሪ ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማ÷ ውዕሎን ሓዳሮምን ኣብ ጎደና ዝገበሩ 4 ሺሕን 905 ወገናት ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ኣብ 8 ሺሕን 630 ቀበሌታት ጥምረታት ድጋፍን ክንክንን ብምጥያሽን ኣቐዲሞም ዝተጣየሹ ብምጥንኻርን ልዕሊ 410 ሚሊየን 660 ሺሕ ብር ካብ ሕብረተሰብ ብዓይነትን ብገንዘብን ከምዝተኣከበ ኣብሪሆም።

በዚ ድማ 89 ሺሕ 12 ወገናት ኣብ ዘለዉሉ ሓገዝ ምግባር ከመዝታኽኣለ ገሊፆም።

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.