Fana: At a Speed of Life!

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ከያኒ ዳዊት ነጋ ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ክፍፀም ኢዩ

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ከያኒ ዳዊት ነጋ ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ክፍፀም ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ-ስርዓት ቀብሪ ከያኒ ዳዊት ነጋ ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 8፡ ክፍፀም ኢዩ።

ከያኒ ዳዊት ነጋ ብ1979 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ተወሊዱ ዝዓበየን ዝተምሃረን እንትኸውን፥ ገና ወዲ 10 ዓመት እንከሎ ወለዱ ብሞት ከምዝተፈልይዎ ኣብ ሓደ ፕሮግራም ቴለቪዥን ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ ተዛሪቡ ነይሩ።

ድምፃዊ ዳዊት ኣብ 15 ዓመት ዕድሚኡ ይኸውን ነቲ ንሙዚቃ ዝነበሮ ፍቕሪን ሕልምን ናብ ተግባር ንምቕያር ናብቲ ብምርኢታት ሰርከስ፣ ሙዚቃን ተዋስኦን ዝነጥፍ ዝነበረ ጕጅለ ሰርከስ ትግራይ ከም ድምፃዊ ክፅምበር ሕቶ ኣቕሪቡ።

እቲ ሕቶኡ ብእዋኑ እወታዊ መልሲ ክረክብ’ኳ እንተዘይከኣለ፥ ሽዑ “ማርሽ ባንድ” ብዝብል ናብ ዝፍለጥ ክፍሊ ክፅምበርን ድራም (ከበሮ) ክሕዝን ዕድል ረኸበ።

ኣብ ውሽጡ ግን ድምፃዊ ናይ ምዃን ባህግን ሕልምና ስለዝነበሮ ደርፊ ምፍታን ኣየቋረፀን።

ስለዝኾነ ዳዊት ነቲ ከቢድ ጉዕዞ ፈተና ብፅንዓትን ብፃዕርን እናሰዓረ ብምምፃእ ናብቲ ዝደልዮ ሞያ ድምፃዊ ክቕልቀል ከሎ፥ ብፍሉይነት ድምፁን ቃናኡን ብቐሊሉ ንብዙሓት ክስሕብ ክኢሉ እዩ።

“ዳኣመና”፣ “ባባ ኢለን”፣ “ሕድያት መቐለ”፣ “ወዛመይ”፣ “ዘዊደሮ”፣ “ብነፀላይ”፣ “ቅዱስ ፀባያ”፣ “ቸቸኮላታ”፣ ኣኽሱማዊትን ዝብላ ደርፍታቱ ካብቶም ኣብ እዝኒ ኣድነቕቱ በፂሖም ዝለዓለ ተቐባልነትን ናእዳን ዝረኸባ ስራሓቱ እየን።

ዳዊት ነጋ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ንዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሕማም ስዒቡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ኣዲስ ህይወት ዝተበሃለ ሆስፒታል ኣትዩ ክትትል ሕክምና ክግበረሉ ከምዝፀንሐ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ኣብቲ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክትትል ክግበረሉ ድሕሪ ምፅናሕ ብፍላይ ሰንበት 4 ሰነ 2014 ዓ.ም ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ሕማሙ ስለዝፀንዖ ናብ ክፍሊ ፅኑዕ ክንክን ከምዝኣተወን ምሸት ከባቢ ሰዓት 01፡ 00 ኣቢሉ ኣብ መበል 34 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለየን ተገሊፁ።

ድምፃዊ ዳዊት ነጋ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቘልዓን ነይሩ።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ከያኒ ዳዊት ነጋ ሎሚ መዓልቲ ሰሉስ 7 ሰነ 2014 ዓ.ም ቀትሪ ሰዓት 8፡00 ኣብ ቅድስት ስላሴ ካቴድራል ከምዝፍፀም ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.