Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን 6 ዞባታትን 5 ፍሉያት ወረዳታትን ክልል ደቡብ ዘቕረብኡ ሕቶ ሓበራዊ ምምስራት ክልል ብምቕባል ህዝበ ውሳነ ንኽካየድ ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼብኡ 6 ዞባታትን 5 ፍሉያት ወረዳታትን ክልል ደቡብ ዘቕረብኡ ሕቶ ሓበራዊ ምምስራት ክልል ብምቕባል ህዝበ ውሳነ ንኽካየድ ወሲኑ።

እቲ ውሳነ ብሓሙሽተ ተቓውሞ ብኣብዝሓ ደምፂ ኢዩ ፀዲቑ።

ኣብ ሓደ ክልል ብምዃን ንክውደባ ሕቶ ዘቕረባ ዞባታት ወላይታ፣ ጋሞ፣ ጎፋ፣ ደቡብ ኦሞ፣ ጌዴኦን ኮንሶን እንትኾና ፍሉያት ወረዳታት ድማ ደራሼ፣ ኣማሮ፣ ቡርጂ፣ ኣሌን ባስኬቶን ኢየን።

ብመሰረት እዚ ቦርድ ምርጫ እቲ ህዝበ ውሳነ ንኸካይድን ውፅኢቱ ንቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ንከፍልጥን ኣንፈት ተዋሂቡ።

ዝተረፋ ዞባታት ሃድያ፣ ሃላባ፣ ከንባታ ጠንባሮ፣ ጉራጌን ስልጤን ከምኡውን ወረዳ የም ኣብቲ ነባር ክልል ክቕፅላ ኢየን ተባሂሉ።

 

ብሃይለኢየሱስ ስዩም

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.