Fana: At a Speed of Life!

74 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ እስራኤል ናብ ከተማ ጎንደር ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)74 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ እስራኤል ሎሚ መዓልቲ ናብ ከተማ ጎንደር ኣቲዩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ከተማ ጎንደር እንትኣቱ ተቀዳሚ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣይ ዘውዱ ማለዳን ላዕለዎት ኣመራርሓታትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

እቶም ተቀዳሚ ምክትል ከንቲባ፥ ነቶም ልኡኻት መደረ እንኳዕ መፃእኹም ገይሮም።

ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ዝተፈላለዩ ታሪኻዊ ቦታታት ከምዝጉብንዩ ካብ ኮሙዩኒኬሽን እታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.