Fana: At a Speed of Life!

እዋናዊ ቅዋም ኢትዮጵያ ኣብ ኣመላልኣ ማይን ኣመሓድራ እቲ ምልኢትን ግድብ ህዳሰ ጥራሕ ምዝርራብ ኢዩ – ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)እዋናዊ ቅዋም ኢትዮጵያ ኣብ ኣመላልኣ ማይን ኣመሓድራ እቲ ምልኢትን ግድብ ህዳሰ ጥራሕ ምዝርራብ ከምዝኾነ ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ዲና ኣብ ዘሃቡዎ ሳምንታዊ መግለፂ፥ ኣብ ግድብ ህዳሰ ተደራደርቲ ኣካላት ሰለስቲአን ሃገራት ናብ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ብምኻድ ዝገበሩዎ ድርድር ብምኽንያት ምፍልላይ ድሌት ብዘይምስምምዕ ከምዝተዛዘመ ኣፍሊጦም፡፡

ኢትዮጵያ ናብ ኪንሻሳ ዝኸደት ከምቲ ልሙድ “ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ” ብዝብል ዲፕሎማሲያዊ መገዲ ምእማና ንምርግጋፅ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

እዚ እውን “ሩባ ኣባይ ናይ ኣፍሪካውያን ኢዩ” ካብ ዝብል ሓበራዊ ርድኢት ዝፍልፍለ ኢዩ ዝበሉ እቶም ኣቐባሊ ቃል፥ እቲ ጉዳይ ካብ ማዕቐፍ ሕብረት ኣፍሪካ ንምርሓቕ ዝግበር ፅዕንቶ ኢትዮጵያ ከምዘይትቕበሎ ገሊፆም፡፡

ይኹን እምበር ባዕላ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ካብ ዝነበረትሉ እዋን ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ እቲ ድርድር ናብ ናይ በሳዕላ ፈተውቲ ሃገራት ንምውሳድን ውልቀ ረብሓኣ ንምሕላው ናብ ዝሕግዛኣ ትካላት ንምስሓብ ዘይፈተነቶ መገዲ ኣይነበረን ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ድማ ነዚ ኣመለኻኽታ ጥራሕ ዘይኮነስ “ኣብ ጉዳይ ድርድር እቲ ግድብ ካልኦት ኣካላት ክንዲ ኣፍሪካ ዝኣክል ግደ የሃልወን” ዝብል ድሌት እውን ከምዘይብላ ገሊፆም፡፡

ምስ ሱዳን ተተሓሒዙ ዘሎ ቅዋም ኣመልኪቶም ኣብ ዘሃቡዎ መብርሂ፥ ብፍላይ ወታደራዊ ክፍሊ እታ ሃገር ልኡኽቶ ውክልና ሒዙ እናተንቀሳቐሰ ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡

ብቀዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሓምዶ ኣቢሉ ዝቐረበ “ብዕፁው ንዛተ” ሕቶ ኢትዮጵያ ብዕቱብ ከምትከታተሎ እውን ኣምባሳደር ዲና ኣብ መግለፂኦም ኣፍሊጦም

ጉዳይ ውጥጥ ዶብ ኢትዮ- ሱዳን ኣብ ዝምልከት፤ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝፈፀመቶ ወራርን ጉድኣት ንብረትን ዓለም ለኸ ማብረሰብን ፈተውቲ ሃገራትን ፅዕንቶ ክፈጥራላ ብምግባር ናብ ዝነበረቶ መገዲ ርክብ ንኽትምለስ ብወገን ኢትዮጵያ ፃውዒት እናቐረቐረበ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ተተሓሒዙ ኣብ ዘሃቡዎ መብርሂ፥ ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ብምሕባር፤ “መገዲ ክፈቱልና” ዝብሉ ዝነበሩ ዓለም ለኸ ትካላት መገዲ ምስተኸፈተ ካብ ኣሜሪካን ዝተወሰና ሃገራትን ወፃእ ባዶ ኢዶም ከምዝኾኑ ምዕዛብ ከምዝተኸኣለ ተዛሪቦም፡፡

ብሶዶ ለማ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.