Fana: At a Speed of Life!

ቤት ትምህርቲ ጀነራል ዊንጌት ብዘሁት ፖለቲከኛታት፣ ሰብ ውዕለታ ሃገርን ሰብ ሞያን ዘፍረየ ዓቢዪ ትካል ኢዩ – ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኮሌጅ ፖሊ-ቴክኒክ ጄነራል ዊንጌት ዝህነፅ ማእኸል ምርምርን ስልጠናን ቴክኒክን ሞያን ምብራቕ ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ እምነ ኹርናዕ ተነቢሩ፡፡

እቲ እምነ ኹርናዕ ምክትል ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር ሳሙኤል ሁርቃቶ ብምዃን ከምዘንበረኦ ተገሊፁ።

ኮሌጅ ፖሊ-ቴክኒክ ጄነራል ዊንጌት ኣብ ባንኪ ዓለም ፕሮጀክት መለክዒ ዞባዊ ምትእስሳር ስግግር ክእለት ብምምልኡ ኣብ ማእኸል ዓውዲ ኢነርጂ ኤሌክትሪክን ዲጂታልን ካብ ባንኪ ዓለም ተረባሒ ፕሮጀክት 557 ሚሊየን ብር በጀት ክኀውን ክኢሉ ኢዩ።

ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ “ቤት ትምህርቲ ጀነራል ዊንጌት ብዘሁት ፖለቲከኛታት፣ ሰብ ውዕለታ ሃገርን ሰብ ሞያን ዘፍረየ ዓቢዪ ትካል ኢዩ” ኢለን።

እቲ ኮሌጅ ካብዚ ንላዕሊ ክብ ንኅብልን ብብርኪ ዩኒቨርሲቲ ንኸዓቢ እቲ ምምሕዳር ከተማ ምስ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ብሓባር ከመዝሰርሕ ምግላፀን ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት እቲ ምምሕዳር ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.