Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት 429 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 3 ሺሕን 645 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ 30 ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባተ ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 429 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

እቶም በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ዝተረጋገፁ ኩሎም ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ ካብ 15 ክሳብ 60 ዕድመ ዘለዎም 26 ደቂ ተባዕቲዮን ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮን ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

እቶም ትሽዓተ ሰባት ታሪኽ ጉዕዞ ወፃኢ ዘለዎም፣ 17 ሰባት በቲ ቫይረስ ምስዝተለኸፈ ሰብ ንኽክእ ዝነበሮምን ኣርባዕተ ሰባት ድማ ንኽክእ ይኹን ታሪኽ ጉዕዞ ወፃኢ ዘይብሎም ኢዮም።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት እቶም 18 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ካብ ክልል ዓፋር፣ 4 ካብ ክልል ኦሮሚያ ከምኡውን 3 ካብ ትግራይ፣ 2 ኣሽከርከርቲ ስግረ ዶብ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ብኻሊእ መዳይ ሙሽተ ሰብ ካብቲ ሕማም ከምዝሐሾ ብምግላፅ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ 128 ሰባት ከምዝሐሾም ሓቢረን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.