Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ጊኒ ንትገብሮ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ናብ ሞሮኮ ኣቲያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ጊኒ መዘናኣ ንእትገብሮ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ናብ ሞሮኮ ኣቲያ።

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብኣሰናዳእነት ኮትዲቯር ኣብ ዝካየድ መበል 34 ፅዋዕ ኣፍሪካ ንምስታፍ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ጊኒ ናይ ምድብ መፃረዪ ፀወታኣ 15ን 18 መጋቢት 2015 ዓ.ም ኣብ ሞሮኮ ክትገብር ኢያ።

ኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ ውበቱ ኣባተ፥ ን23 ተጻወትቲ ፃውዒት ብምቕራብ ካብ 6 መጋቢት 2015 ዓ.ም ጀሚሮም ልምምድ እናገበሩ ፀኒሖም።

ዋልያታት ብቅድሚ ትማሊ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ምስ ሩዋንዳ መዘነኦም ኣብ ዝገበሩዎ ፀወታ መለክዒ ቅዋም ብብሕታዊት ሸቶ ከነኣን ማርክነህ 1 ን 0 ምስዓሮም ይፍለጥ።

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብመፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ፥ ኣብ ምድብ ኣርባዕተ ምስ ግብፂ፣ ማላዊን ጊኒን ተደልዲላ ትርከብ፡፡

ክሳብ ሕዚ ብዝገበረቶም ክልተ ፀወታታት ድማ ብሰለስተ ነጥቢ ብሓደ ንፁህ ሸቶ ምድባ እናመርሐት ከምትርከብ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.