Fana: At a Speed of Life!

ሃፍቲታት ቱሪዝምና ብምልማዕ ጉዕዞ ዕቤትና ጋህዲ ክንገብር ኢና – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃፍቲታት ቱሪዝምና ብምልማዕ ጉዕዞ ዕቤትና ጋህዲ ክንገብር ኢና ክብል ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መግስቲ ኣፍሊጡ።

ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መግስቲ “ሓዱሽ ሓሳብ ንቱሪዝም” ብዝብል መሪሕ ቃል እናተኸበረ ዝርከብ ዓለም ለኸ መዓልቲ ቱሪዝም ኣመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ፡፡

ኣብ መግለፂኡ ድማ “ሃፍቲታት ቱሪዝምና ብምልማዕ ጉዕዞ ዕቤትና ጋህዲ ክንገብር ኢና” ክብል ገሊፁ፡፡

ትኪ ኣልቦ ኢንዱስትሪ እናተብሃለ ዝፅዕ ዘፈር ቱሪዝም ንሓንቲ ሃገርን ህዝቢን ዝህቦ ኩለመዳይ ረብሓ ቀንዲ ምስጢር ምዕባለ ሃገር ከምዝኾነ ኣብቲ መግለፂ ተሓሩ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዝማዕበለ ልምዲን ፍልጠትን የሃልዋ እምበር፤ ዘለዉዋ ተፈጥሮኣዊ መስሕባት ኣልሚዕኻን ኣፋሊጥካን ሰፊሕ ፍልፍል ሃፍቲ ኣብ ምርካብ ብዙሕ ርሕቐት ከምዝተርፋ ገሊፁ፡፡

ብፍላይ ቱሪዝም ውሽጢ ዓዲ ተጠቒምካ ሃፍቲ ኣብ ምፍልፋል ብዙሓት ክፍተታት ከምዘለዉ ዝገለፀ እቲ መግለፂ÷ ዜጋታት ብዛዕባ ሃገሮም ዝበለፀ ንኽፈልጡን ብዛዕባ ሃፍቶም እኹል ሓበሬታ ክህልዎምን ኣብ ምግባር ከምዝግባእ ኣገንዚቡ፡፡

ቱሪዝም ውሽጢ ዓዲ ክድንፍዕ ምግባር÷ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ዕቑራት ሃፍቲታት ብምስፋሕ ዓቕሚ ፋይናንስ ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብምጥንኻር ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ኣብ ምጉልባት ዓብዪ ዕድል ዝፈጥር ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ቱሪዝም ንኢትዮጵያ ፍልፍል ሃፍቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ብብርኪ ዓለም ዘለዋ ምስሊ ኣጉሊህኻ ንምርኣይ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ዝሓበረ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መግስቲ÷ ቱሪዝም ብዙሓት ረብሓታት ንኸምፀእ መሰረታዊ ማሕለኻታት ዝኾኑ ነገራት ኣብ ምፍታሕን ኣንፈታት ኣብ ምቕማጥን ካብ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ሓላፍነት ምውሳድ ትፅቢት ከምዝግበር ኣገንዚቡ፡፡

ናይ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ኣብቲ ዓውዲ ክሳተፉ ከምዝግባእ እውን ኣብሪሁ፡፡

“ቱሪዝም ሓለሓሊፎም ብዘጋጥሙ ፀገማት ሰላምን ፀፅታን ብዘላቕነት ብምፍታሕ ካብቲ ዓውዲዘ ርከቡ በረከታት ምክፋል ዘድልየሉ እዋን ንርከብ ክብል ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.