Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣግባብ ፅሬትን ተበፃሕነትን ንምርግጋፅ ማሕበራት ሞያ ምስ መንግስቲ ተዋዲደን ንኽሰርሓ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣግባብ ፅሬትን ተበፃሕነትን ንምርግጋፅ ማሕበራት ሞያ ምስ መንግስቲ ተዋዲደን ንኽሰርሓ ተሓቲቱ።

ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ምስ ኤጀንሲ ኣግባብን ፅሬትን ትምህርቲ ብምትሕብባር “ግደ ማሕበራት ሞያ ንዕለዎት ትካላት ትምህርቲ” ብዝብል መሪሕ ቃል መድረኽ ዘተ ኣካይዱ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣመራርሓታት ሚኒስቴር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኤጄንሲ ኣግባብን ፅሬትን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን፣ ሓለፍቲን ተወከልቲን ዝተፈላለያ ማሕበራት ሙያን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም፡፡

ነቲ መድረኽ ብመደረ ዝኸፈቱ ኣብ ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዳይሬክተር ጀነራል ጉዳያት ኣካዳሚክ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዶክተር ኤባ ሚጅና፥ ኣግባብ ፅሬትን ተበፃሕነትን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ግደ ማሕበራት ሞያ ዕዙዝ ስለዝኾነ ተሳትፎኦም ንኽጠናኸር ናይ ባዕልና ብፅት ክንዋፃ ይግባእ ኢሎም፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ፕሮፌሰር አፈወርቅ ካሱ፥ እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ቀፀልቲ ስራሕቲ ማሕበራት ሙያ ኣብ ኣግባብ ፅሬትን ተበፃሕነትን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘለዎም ተሳትፎ ብምጥንኻር ንዕዉትነት እቲ ውፅኢትናይ ባዕሉ ብፅሒት ንኽዋፃእ ዝዓለመ ኢዩ ኢሎም፡፡

ዳይሬክተር ኤጀንሲ ኣግባብን ፅሬትን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዶክተር ኣንዷለም ኣድማሴ ብግደኦም፥ ኣብ ፅሬትን ግቡእን ትካላት ትምህርቲ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲን ዘጋጠሙ ማሕለኻታትን ብምፅራሕ ማሕበራት ሙያ ኣብ ዓውዲ ስረሖም ክትትል ብምግባር ምስ መንግስቲ ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.