Fana: At a Speed of Life!

ሓሙሽተ ኩባንያታት መልማዕቲ ሪል ስቴታት ንመኣዲ ንሃገር ዝኸውን 25 ሚሊየን ብር ኩፐን ድራር ዓዲገን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ሓሙሽተ ኩባንያታት መልማዕቲ ሪል ስቴታት ንመኣዲ ንሃገር ዝኸውን 25 ሚሊየን ብር ኩፐን ድራር ዓዲገን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቀረባ እዋን ተግባራዊ ዝገበርዎ መህነፂ ስፍራታት መስሕብ ቱሪዝም  ኮይሻ፣ ጎርጎራን ወንጪን መርሃ ግብሪ እንግዶት ድራር መኣዲ ንሃገር መተኣኻኺቢ እቶት ኣብ ምድላው ይርከብ።

ብመሰረት እዚ ነቲ ፕሮጀክት መፈፀሚ ዝኸውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ኣያት ሪል ስቴት፣ ዮሲ ሪል ስቴት፣ ይርጋለም ሪል ስቴት፣ ፀሃይ ሪል ስቴትን ካራቆሬ ሪል ስቴትን ኣብቲ አንግዶት ድራር ንምስታፍ ንሕድሕደ|ን 5 ሚሊየን ብር ኩፐን ዓዲገን።

ስለዝኾነ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ እተን ሪልስቴታት ንዝገበርኡ ሓገዝ አመስጊኖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.