Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ኣብ ልዕሊ 52 ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣየርላንድ ማዕቐብ ኣንቢራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ኣብ ልዕሊ 52 ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣየርላንድ ማዕቐብ ከምዘንበረት ኣፍሊጣ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣብቲ ጉዳይ ኣድሂቡ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ÷ እቲ ማዕቐብ መንግስቲ ኣየርላንድን ሰብ መዚኡን ብዘሰጉሙዎ ፀረ-ሩሲያ ቅዋም ምኅንያት ዝተነበረ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ኣየርላንድ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ተጋውሖ ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ክልተኣዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ከምዘሕርፍፎ ኣልዒሉ፡፡

ሞስኮ ኣብ ልዕሊ ሕብረት ኣውሮፓን ዝተፈላለያ ትካላትን ዝካየዱ ኣኼባታት መሰረት ዘይብሎም ፀረ-ሩሲያ ቅዋማት የሰጉሙ ኢዮም ኣብ ዝበለቶም ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣየርላንድ ናብ ሃገራ ከየኣትዉ ምዕቐብ ምንባራ ቲ ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.