Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ኣብ ልዕሊ 77 ኣሜሪካውያን ማዕቐብ ኣንቢራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ኣብ ልዕሊ 33 ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ቤተሰብን ዴሞክራትን ሪፐብሊካንን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 77 ኣሜሪካውያን ማዕቐብ ኣንቢራ።

እቲ ማዕቐብ፥ ዋሺንግተን ቅድሚ ሰለስተ ሰሙናት “ንሩሲያ ሓገዝ ኣፅዋር ይገብሩ ኢዮም” ብምባል ኣብ ልዕሊ 22 ውልቀ ሰባት ማዕቐብ ድሕሪ ምንባራ ዝተፈፀመ ኢዩ ተባሂሉ።

ብመሰረት እዚ ምስ ዩክሬን ኣብ እትገብሮ ዘላ ኲናት “ኣሜሪካ ንዩክሬን ኣፅዋር ትሕግዝ ኣላ” በዝብል እቲ ማዕቐብ ምንባራ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ንኣሜሪካ ዝተገበረ ዓፀፋዊ ምላሽ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ ማዕቐብ ዝተነበረሎም ውልቀ ሰባት ናብ ሩሲያ ንከይኣትዉ ብቀዋምነት ዝተኸልከሉ ከምዝኾኑ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ካብእቶም ማዕቀብ ዝተገበረሎም ነበር ኣቐባሊት ቃል እቲ ቤት ምኽሪ ናንሲ ፔሎሲ፣ መራሒ ቤት ምኽሪ መውፅኢ ሕጊ ቻክ ሹመርን ጓል መራሒ ሴኔት ሚች ማኮኔልን ከምዝርከብዎም ኣር ቲ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.