Fana: At a Speed of Life!

ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ትሕቲ 20 ዓመት ብሓፈሻዊ ዓወት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንመበል 11 ግዘ ዝተኻየደ ዕድሚኦም ትሕቲ 20 ዓመት ዝኾኑ ኣትሌታት ዝተሳተፉሉ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ብሓፈሻዊ ዓወት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ፡፡

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ብክልቲኡ ፆታ 218 ነጥቢ ብመሓዝ ቀዳመይቲ ተሸላሚት ፅዋዕ ኮይና፡፡

ማእኸል መሰልጠኒ ጥሩነሽ ዲባባ 213 ነጥቢ ብመሓዝ 2ይ፤ ክልል ኦሮሚያ ብ210 ነጥቢ ሳልሳይ ደረጃ ብመሓዝ ደተዓወትቲ ኮይኖም፡፡

ብደቂ ኣንስትዮ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 132 ነጥ ብመሓዝ ሓፈሻዊ ተሸላሚ ፅዋዕ እእንትኸውን÷ ክልል ኦሮሚያ 98 ነጥቢ 5 ነጥቢ ብመሓዝ ብ2ይ ደረጃ ተሸላሚ ገንዘብ ከምኡ እውን 78 ነጥቢ ብመሓዝ 3ይ ተሸላሚ ገንዘብ ኮይኖም፡፡

ብደቂ ተባዕትዮ 138 ነጥቢ ብመሓዝ ማእኸል መሰልጠኒ ጥሩነሽ ዲባባ ሓፈሻዊ ተሸላሚ ፅዋዕ እንትኸውን÷ ክልል ኦሮሚያ 111 ነጥቢ 5 ነጥቢ ብመሓዝ 2ይ ደረጃ ብመሓዝ ተሸላሚ ገንዘብ ከምኡ እውን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 86 ነጥቢ ብመሓዝ 3ይ ተሸላሚ ገንዘብ ከምዝኾኑ ካብ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.