Fana: At a Speed of Life!

ጥንቃቐ ዝደሊ ኣመጋግባ እዋን በዓል

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዚያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋን በዓል ዝግበር ኣመጋግባ ግቡእ ጥንቃቐ እንተዘይተገይሩ ንፀገም ጥዕና ከቃልዕ ይኽእል።

ምዝዛም መዓልቲታ ፆም ስዒቦም ዘሎ ኣመጋግባ ጥንቃቐ ዝተመልኦ ክኸውን ከምዝግባእ ሰብ ሞያ ጥዕና ይምዕዱ።

ምኽንያቱ ድማ፥ ንነዊሕ እዋን ካብ ቅብኣት ነገራት ርሒቑ ዝፀንሐ ጨጎራ ንሕማም ናይ ምቅላዕ ዕድሉ ዕዙዝ ስለዝኾነ ኢዩ ዝግለፅ።

ጥንቃቐ ዝጎደሎ ኣመጋግባ እንተኾይኑ፥ ከም ምንፋሕ ከብዲ፣ ቁርፀት ከብዲ፣ ጨጎራ ምቅፃልን ካልኦት ሕማማትን ከስዕብ ከምዝኽእል ይገልፁ።

ብምዃኑ ኣብ እዋን በዓል ፀገም ጥዕና እንተየጋጠመ ንምሕላፍ፥ ዝሰናዳእ ምግቢ ብግቡእ ንፅህንኡ ዝተሓለወ ክኸውን ከምዘለዎ ይምዕዱ።

ብተወሳኺ ዝሰናድኡ ምግቢታት ቅብኣት ዝበዝሖም ከይኾኑ ግቡእ ጥንቃቐ ምግባር ከምዘድሊ እቶም ሰብ ሞያ ጥዕና ይመኽሩ።

ኣብ እዋን ኣመግጋባ ድማ ቀስ ብቐስ ንጨጎራ ክላመድ ብምግባር ብልክዕን ካብ መጠን ዘይሓለፈን ክኸውን ይግባእ ይብሉ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.