Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ናብ ግንባር ምውፋሮም ንህዝቢ ዓፋር ዓብይ መልእኽቲ ኣለዎ – ኢ/ር አይሻ መሓመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ግንባር ምውፋሮም ንህዝቢ ዓፋር ዓብይ መልእኽቲ ከምዘለዎ ሚኒስትር መስኖን ከባብታት ቆላን ኢንጂነር አይሻ መሓመድ ተዛሪበን፡፡

እተን ሚኒስትር “ሃገር ናይ ምድሓን ፃዊዒትን ቓልሲ ዓፋርን “ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ገይረን፡፡

ኣብ ፃንሒተን ድማ ህዝቢ ዓፋር ምውፋር እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ መራሒ ዝወፈረላ ሃገር ምዃና ብዝበለፀ ዝተረደአላ ከምዝኾነ ኣልዒለን፡፡

ህዝቢ ዓፋር ጉጅለ ህወሓት ንመወዳእታ ግዘ ንምቕባር ምስ ካልኦት ኣሕዋት  ኢትዮጵያውያን ብምዃን ከምዝተለዓለ ገሊፀን፡፡

እቲ ወራሪ ጉጅለ ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ፣ህፃናትን ኣቦታት ሃይማኖት ዘብፀሖ ጥፍኣት ብምግላፅ፤ህዝቢ ዓፋር ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ከቢድ ኪሳራ እናብፀሐ ምዃኑ ኢንጂነር አይሻ ሓቢረን፡፡

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.