Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ናብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ኣምሪሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ መዓልቲ ናብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ኣምሪሖም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብታ ሃገር ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ከካይዱ ኢዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ሕቡራት ኢሜሬታት ዓረብ ኣብ ዝገብርዎ ዑደት ኣብ ክሊ መሰልን ረብሓን ኢትዮጵያውያን ዘኽብሩ ዛዕባታት ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲን ዜጋታትን ልዝብ ከምዝገብሩ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣይተ ንጉስ ጥላሁን ገሊፆም።

ምስ 15 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ዘተ ከምዝገብሩ ዝገለፁ ኣይተ ንጉሱ፥ እቲ ዘተ ዜጋታት ክብሮም ተሓሊዩ፣ መሰሎም ተኸቢሩን ክረኽብዎ ዝግባእ ረብሓ ተረጋጊፁን ንክነብሩ ዘኽእል ከምዝኾነ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዜጋ ተኮር ኣብ ዝኾነ ዲፕሎማሲ ትኹረት ብምግባሩ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 100 ሺሕ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምኽኣሎም ድማ ኣይተ ንጉሱ ተዛሪቦም።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.