Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ መዓልቲ ሓርበኛታት ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ መዓልቲ ሓርበኛታት ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ እቲ መዓልቲ ጀጋኑ ሓርበኛታት ንኢትዮጵያውያ ካብ ሓሙሽተ ዓመት ወራር ጣሊያን ሓራ ምውፀኦም ዝዝከረሉ ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ኩሎም ሓርበኛታት ብኣገዛዝኣ እቶም ንጉስ ዝሕጎሱ፣ ዝስማዕምዑን ዝድግፉን ኣይነበሩን ዝበሉ ዶክተር ኣቢይ፥ ካብ ዝኾነ ይኹን ንላዕሊ ሃገር ክቕድም ኣለዎ ኢሎም ዝተዋግኡ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ኣብቲ እዋን ዝነበረ ፀላኢ እውን ኣብ ኢዱ ክብ ዝነበረ ዓቕሚ ብዝበለፀ እቶም ሓርበኛታት ኣብቶም ንጉስ ዝነበረ ቅሬታ ተዓዋቲ ክገብረኒ ኢዩ ብምባል ከም መሳርሒ ክጥቀመሉ ከምዝተንቀሳቐሰ ገሊፆም።

ይኹን እምበር ኩሎም ሓርበኛታት ኣብ ክብሪን ፍቕሪን  ሃገሮም ፅኑዕ ቅዋም ከምዝነበሮም፤ ቅሬተኦም ምስ ምምሕዳር መንግስቲ እምበር ምስ ሃገሮም ስለዘይነበረ ኣብ ሉኣላውነት ሃገሮም እንተይተደራደሩ፣ ብረብሓ ፋሽሽት እንተይተታለሉ፣ ናፅነት ሃገሮም ንምኽባር ናብ በረኻ ወፂኦም ከምዝተቓለሱ ኣብሪሆም።

እቶም ሓርበኛታት ንኽብሪ ሃገር ዝኽፈል ዋጋ ናይ ዝኾነ ይኹን ኣካል መፀዋዕታ ከምዘየድልዮ ኣብነት ከምዝኾኑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም።

ናይቶም ሓርበኛታት ተጋድሎ ሃገር ንምድሓን ሓድነት ዜጋታት ኣድላዪ ከምዝኾነ ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒትረ፥ ብሄር፣ ቋንቋ እምነትን እንተይገደቦም ሃገር ሓደ ከምዝገበረቶም፤ ንሓንቲ ሃገር ብሓደ ጠጠው ከምዝበሉ፤ እዚ ድማ ቀልጢፎም ፍሪኡ ክሪኡ ከምዝገበሮም ሓቢሮም።

እቲ ናይ ሕዚ ወለዶ ደቂ እቶም ሓርበኛታት ስለዝኾነ፣ ናይቶም ሓርበኛታት ዕዳ ስለዘለዎን ኢትዮጵያ ንብዙሕ ዘበናት ዋጋ እተኸፈለላ ኣብዚ ከምዝበፅሐትን ዝገለፁ ዶክተር ኣቢይ፥ ኣብ ቀፃሊ ዝኽፈል ዋጋ ከም ኣቦታቱን ኣዴታቱንን ካብ ዝኾነ ይኹን ነገር ንላዕሊ ሃገር ከቕድም ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

“ብሓሳብ፣ ብኣመለኻኽታ፣ ብርእዮተ ኣለም፣ ብኣሰራርሓ ኣፈላላይ ክህሉ ይኽእል ኢዩ፣ ንቃወሞ ሓሳብን መንግስቲን ክህሉ ይኽእል ኢዩ፣ ንቃወማ ሃገር ግን ክትህሉ ኣይግባእን ሃገር ኣትሒዝና ክንፃወቶ ዝግበአና ቁማር እውን ኣይህሉን” ኢሎም።

ሃገር ሓርበኝነት ከምዘድልያን ሓርበኝነት ድማ ንሃገር ዝኽፈል ዋጋ ሃገር ካብ ትህበካ ነገር እንትበልፅ ከምዝኾነን እውን ኣገንዚቦም።

“ኣብዚ ሕዚ እዋን እናጋጠሙና ዝርከቡ ፈተናታት ብዓወት ክንሓልፎም እንተኽኢልና፤ ከምቶም ሓርበኛታት ወለድና ኣብ ጅግንነትና ኣብ መላእ ዓለም እናተመስከረሉ፣ ወለዶ እናመስገነና ክቕፅል ኢዩ እውን ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.