Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ዒድ ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር ንዝተፈላለዩ ወገና ህያብ ኣበርኪቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዒድ ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር ንዝተፈላለዩ ወገና ህያብ ኣበርኪቶም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ንዝነብሩ 100 መራሕቲ ስደራ ስደተኛታት ሶሪያ ህያብ ምግቢ፣ ክናድውንቲን መሐለዊ ፅሬትን ኣበርኪቶምሎም።

ብኻሊእ መዳይ ኣብቲ ክፍለ ከተማ ብኽልተ ኣሕዋት እናተሓገዙ 100 ዜጋታት ዝርከቡሉ ቦታ ተረኺቦም ዘለዉሉ ኩነታት ተዓዚቦም።

እቶም ዜጋታት ቅድሚ ሕዚ ኣብ መዓልታዊ ስራሕ ይመሓደሩ ዝነበሩን ብምኽንያት ሓደጋ ኮቪድ-19 ንፀገም ዝተቓልዑን ኢዮም።

ኣብቲ ዝገበሩዎ ዑደት ድማ ሓገዝ ምግቢን ንሕርዲ ዝኾኑ እንስሳትን ብህያብ መልክዕ ኣበርኪቶም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ትካል ገባሪ ሰናይ ቡል ሀይር ተረኺቦም ዜጋታት ሕድሕዶም ንምትሕግጋዝ ዝገበብሩዎ ዘለዉ ፃዕሪ ብምንኣድ ሓገዝ ምግቢን ንሕርዲ ዝኾኑ እንስሳትን ብህያብ መልክዕ ኣበርኪቶም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ተረኺቦም ወለዲ ዘይብሎም ህፃናትን ትሑት እቶት ዘለዎም ወገናትን ዝተፈላለዩ ህያባት ሂቦም።

ብኣልኣዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.