Fana: At a Speed of Life!

በቢመዓልቱ ካብ ስዑድ ዓረብ 1 ሺሕን ኢትዮጵያውያን ናይ ምምላስ ስራሕቲ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)በቢመዓልቱ ካብ ስዑድ ዓረብ 1 ሺሕን ኢትዮጵያውያን ናይ ምምላስ ስራሕቲ ምጅማሩ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ብዘይሕጋዊ ሰነዳት ናብ ስዑድ ዓረብ እንትኣትዉ ተታሒዞም ኣብ ዝተፈላለዩ መፅንሒ ስደተኛታት እታ ሃገር ዝርከቡን ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ምስ ለበዳ ቫይረስኮሮና  ተተሓሒዙ ናብ ሃገር ምምላስ ዘይከኣሉን ዜጋታት ብስፍሓት ናብ ሃገር ናይ ምምላስ ስራሕቲ ምጅማሩ እቲ ኤምባሲ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣብ መፅንሒ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ጅዳ ሹሚሲ ዝነበሩ ፈለምቲ 296 ኢትዮጵያውያን ደቂ ተባዕትዮ ስደተኛታት ሎሚ መዓልቲ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ቅድመ ምድላው ተዛዚሙ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ዜጋታት ናይ ምምላስ ስራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ስዑድ ዓረብ ብዝገበሮ ስምምዕነትን ብዝተቐመጡ ኣንፈታትን መሰረት ብምግባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ድማ በበሰሙኑ 1 ሺሕ ተመለስቲ ናብ ሃገር ዝኣትዉ እንትኾኑ፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ብመንግስቲ ብዝወሃብ ኣንፈት ቁፅሪ ተመለስቲ ክውስኽ እዩ ዝብል ሰትፅቢት ከምዘሎ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.