Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣእምሮኣዊ ንብረት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣእምሮኣዊ ንብረት ኣብ ኢትዮጵያ ንመበል 22 ግዘ ኣብ ሙዚየም ሳይንስ ይኽበር ኣሎ።

እቲ በዓል፥ “ኣእሙሮኣዊ ንብረት ንዘላቒ ልምዓት፤ መፃኢ ግዘና ብምህዞን ኢኖቬሽንን ንህነፅ” ዝብል መሪሕ ቃል ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ንብረት ኣእምሮ ኢትዮጵያ ወልዱ ይመሰል፥ እቲ ዕለት እንትኽበር ውፅኢታት ምህዞ ንክኽበሩ ንኹሉ ዘሳተፈ ስራሕ ምስራሕ ከምዘድሊ ክእመነሉ ይግባእ ኢሎም።

እዚ ንምትግባር ሕግታት ምምዕርራይ ከምዝግባእ ብምግላፅ፥ ነዚ ድማ መንግስቲ ጠመተ ብምሃብ ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እቲ በዓል መዚ፥ ስራሕቲ መሰል ቅዳሕ ፓተንት፣ ሞዴል፣ ኢንዱስትሪያዊ ቅርፂ፣ ምልክት ንግዲ ከምኡውን ስራሕቲ መሰል ቅዳሕ ስነፅሑፍን ጥበብን እኹል ሓለዋ ሕጊ ዝረኽብሉ ምቹእ ኩነታት ምፍጣር ቀንዲ ዕላምኡ ብምግባር ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን የሽሩን ዮሃንስ (ዶ/ር)፥ መንግስቲ ንስታርት ኣፕ ዝሃቦ ቆላሕታ ንኣእሙራዊ ንብረት ዝሃቦ ጠመተ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ብፈቲያ ኣብደላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.