Fana: At a Speed of Life!

ብሪታኒያ ንልምዓታዊ ሴፍቲኔት ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሪታኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚ ንምምሕያሽ፣ ንመሰረታዊ ኣገልግሎታትን ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ትገብሮ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፃ።

ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው÷ ምስ ኮመን ዌልዝ ብሪታኒያ ዳይሬክተር ኣፍሪካ ሳይመን ሙስታርድ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ተዛቲየን፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ክልተኣዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊ ሓበራዊ ጉዳያት ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ጉዳያት ኣወሃህባ ሰብኣዊ ሓገዝን መሰረታዊ ኣገልግሎትን ከምኡ እውን ኣብ ስራሕቲ ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ምኽክር ምግባሮም ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋስው÷ መንግስቲ ብሪታኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝገበሮ ሓገዝ ብምስጋን÷ እቲ ሓገዝ ኣብ ዝመሓየሸሉ ኩነታትን ንተጠቀምቲ ብቐጥታ ኣብ ዝበፅሐሉ ጉዳይን ምዝታይ ኣድላዪ ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡

ዳይሬክተር ሳይመን ሙስታርድ ብግደኦም÷ ኣኢትዮጵያ ዝግበር መጠን ሓገዝ ከምዝዓበየ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓባር ከምዝሰርሑ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.