Fana: At a Speed of Life!

ተፈጥሮኣዊ ንጥረ ነገራት ብምጥቓም ኣብ ተኽሊ በለስ ዘጋጠመ ሕማም ኩችኔል ንምሕዋይ ዝውዕል ኬሚካል ዕውት ፈተነ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፈጥሮኣዊ ንጥረ ነገራት ብምጥቓም ኣብ ተኽሊ በለስ ዘጋጠመ ሕማም ኩችኔል ንምሕዋይ ዝውዕል ኬሚካል ዕውት ፈተነ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ፡፡

ተፈጥሮኣዊ ንጥረ ነገራት ብምጥቓም ኣብ ተኽሊ በለስ ዘጋጠመ ሕማም ኩችኔል ንምሕዋይ ኬሚካል ብምምዕባል ኣብ ዝገበሮ ፈተነ ምህዞ ውፅኢት ከምዝረኸበሉ ተመራማራይ ገብረየሱስ በየን ሓቢሩ፡፡

ከም ገለፃ ተመራማራይ ገብረየሱስ እቲ ምህዞ ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ተኽሊ በለስ ዘጋጠመ ሕማም ንምሕዋይ ፈተነ ዝተኻየደ እንትኸውን ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ክያዶ ድማ ርኡይ ለውጢ ከምዝተርኣየ ኣብሪሁ፡፡

ንብዙሕ ዓመታት ብሕማም ኩችኔል ዝተጠቕዐ ተኽሊ በለስ ቅድሚ በቲ ሕማም ምጥቓዑ ንህዝቢ ትግራይ ልዑል ቁጠባዊ ረብሓ ይህብ እዩ ነይሩ ዝበለ ተመራማራይ ገብረየሱስ እዚ ድማ እቲ ብሕማም ኩችኔል ዝተጠቕዐ ተኽሊ በለስ ዘሕዊ ኬሚካል ንምምሃዝ ከምዘለዓዐሎ ይዛረብ፡፡

እዚ ብፈተነ ዝተረኸበ ኬሚካል ውፃኢታዊ ንክኸውን ድማ ካብ ገባር ክሳብ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ከምዝገበርሉ ገሊፁ፡፡

ብቁጠባን ብካልኦት ኩለ መዳይ ዓውድታት ዝማዕበለት ትግራይ ንምህናፅ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ምህዞታት ከበራኸቱ ከምዝግባእን እዚ ውፅኢት ድማ ንካልኦት ተመራመርቲ በሪ ዝኸፍት ከምዝኾነ ብምሕባር በቲ ዝተረኸበ ውፅኢት ሕጉስ ምዃኑ ድማ ተዛሪቡ፡፡

                                                 ብብርኽቲ ማህተም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.