Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኔዘርላንድስን ሰነድ ስምምዕነት ሓገዝ ገንዘብ ልዕሊ 15 ነጥብ 9 ሚሊየን ዩሮ ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ )ኢትዮጵያን ኔዘርላንድስን ሰነድ ስምምዕነት ሓገዝ ገንዘብ ልዕሊ 15 ነጥብ 9 ሚሊየን ዩሮ ተፈራሪመን።

እቲ ሰነድ ስምምዕነት ንምምሕዳር ዝተዋደደ መሬት ቁንዝላን መርሃ ግብሪ ዋሽን ንምድጋፍ ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

ብዋናነት ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ ማሕበረሰብ ኩለመዳይ ተረባሕነት ኣብ ምርግጋፅ ትኹረት ዝገበረ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ፍሪያት ሕርሻ ኣብ ምዕባይን ነበርቲ ተረባሕቲ ኣብ ምግባርን፣ ማሕበረሰብ ተረባሕቲ ንዝገብሩ ትካላት ዓቕሞም ኣብ ምጥንኻር፣ ዘላቒ ብዝኾነ መልክዑ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ምሕላውን ምምሕዳርን ዘተኮረ ድጋፍ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ከተማን ገፀርን ኣቕርቦት ፅሩይ መስተ ማይ ንክህሉ ኣብ ምግባር፣ ፅሬት ኣብ ምሕላውን ኣወጋግዳ ፈሳሲ ርስሓት ዘመናዊ ኣብ ምግባርን ንዝፍፀም ስራሕቲ ዝድግፍ ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ።

በቲ ፕሮጀክት ብፍላይ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ 22 ሺሕ ሓረስቶት ፍሪያት ሕርሽኦም ብምስሳን ተረባሕቲ ንክኾኑ ዝገብር ኢዩ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ 750 መናእሰይ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ከምዝሕግዝ ተገሊፁ።

እቲ ፕሮጀክት ብዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባን ትካል ልምዓት ኔዘርላንድስን ተግባራዊ ከምዝግበር ሚኒስቴር ገንዘብ ፌዴሪኢ ዘውፅኦ መረዳእታ ይሕብር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.