Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተሓምሸሻ ኣውሮፕላናት ተተሓሒዙ ኩባኒያ ቦይንግ 2 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ክኸፍል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣30 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኩባኒያ ቦይንግ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ምስ ዝተሓምሸሻ ኣውሮፕላናት ማክስ 737 ተተሓሒዙ ሓሬታ ዲዛይን ኣውሮፕላናት ብምሕብኡ 2 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ኢዩ።

ካብ ግልፅነት ብዝበለፀ ትርፊ ኣብሊፁ ኢዩ ክብል ዝኸሰሰ ቤት ዐዮ ፍትሒ ኣሜሪካ፥ ናይ ብዙሓት ህይወት ዝጠፍአሉ ሓደጋ ኣውሮፕላናት ኣብ ዘስዐቡ ኣውሮፕላናት ማክስ 737 ክትትልን ቁፅፅርን ከይግበር ከምዝተኸልከለ ገሊፁ።

ካብ ሞንጎ 2 ነጥቢ 5 ቢሊየን እቲ 500 ሚሊየን ዶላር ንስድራቤት ብሓደጋ ኣውሮፕላን ማስክ 737 ህይወቶም ዝሰኣኑ ተጓዓዝቲ ዝኽፈል ካሕሳ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ 1 ነጥቢ 7ቢሊየን ዶላር ድማ ንመገዲ ኣየራት ኩባኒያ ቦይንግ ዝኽፈል ከምዝኾነ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ኩባኒያ ንዝፈፀሞም ጥፍኣታት 243 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዶላር ከምዝቕፃዕ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.