Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንምድሓን ኩሉ ሰብ ሓድነት ክህልዎ ኣለዎ – ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ምክልኻል ሃገር ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ውሽጣዊን ግዳማዊን ፀላእቲ ግምንባር ፈጢሮም ዝተበገሱላ ሃገር ብምዃና ነታ ሃገር ንምድሓን ኩሉ ሰብ ሓድነት ክህልዎ ኣለዎ ከብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ምክልኻል ሃገር ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ ተዛሪቦም።

ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ ነዚ ዝበሉ፥ መዓርግ፣ ኣርማ፣ ደንቢ ክዳንን ህንፀት ማእኸል መሰልጠኒ መሰረታዊ ባሕረኛን ፌዴሪኢ ዕላዊ ኣብ ዝገበርሉ እዋን ኢዩ።

ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ውሽጣዊን ግዳማዊን ፀላእቲ ግምንባር ፈጢሮም ዝተበገሱላ ሃገር ብምዃና ነታ ሃገር ንምድሓን ኩሉ ሰብ ሓድነት ክህልዎ ኣለዎ ኢሎም።

እቶም ፀላእቲ ነዛ ሃገር ብምድኻም ካብ ፀገም ንከይትወፅእ ይሰርሑ ከምዘለዉ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝፍጠሩ ጎንፂታት ሰራዊት ኣብቶም ከባቢታት እናኸደ የመክን ኣሎ ኢሎም።

እዚ ኹሉ ትንኮሳን ምብላዕን ሕብረተሰብ ባዕሉ ንባዕሉ ንክባላዕ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ባህጊ ድማ ኢትዮጵያ ክትዳኸመን ናይ ባዕላ ሃፍቲ ንከይትጥቀምን ኢዩ ኢሎም።

ባንዳታት ብምሓዝ ሃገር ንምፍራስ ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ብምግላፅ፥ ብናይ ወፃኢ ወራሪ ከምዘይንከኣል ስለ ዝፈልጡ ካብ ውሽጥና ንከፈራርሱና ኢዮም ዝሓስቡ ክብሉ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ህዝቢ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ብምስላፍ እቲ ተሃቂኑ ዘሎ ኣብ ምዕናው ክቃለስ ኣለዎ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.