Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኮንቬንሽን ፀረ ግዕዝይና ዓንቀፅ 44 ዝነበራ ተኣቅቦ ኣልዒላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ገበነኛታት ኣሕሊፋ ምሃብ (Extradition) ዝድንግግ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኮንቬንሽን ፀረ-ግዕዝይና ዓንቀፅ 44 ዝነበራ ተኣቅቦ ኣልዒላ።

ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌዴራል፥ ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኮንቬንሽን ፀረ ግዕዝይና ዓንቀፅ 44 ዝነበራ ተኣቅቦ ኣልዒላ ኣላ ኢሉ።

ኢትዮጵያ ናይቲ ኮንቬንሽን ዓንቀፅ 44 ኣመልኪቱ ተኣቅቦ ከምዘለዋ ኣብ ውሽጢ ምዕራፍ ሰለስተ ዝተመልከተ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2010 ክሳብ 2015 ኣብ ዘሎ እዋን ዝነበራ ኣፈፃፅማ ንገምገምቲ ኣቕሪባ ከምዘገምገመት እቲ ኮሚሽን ገሊፁ።

ኣፈፃፅማ እቲ ግምገማ ስዒቡ ድማ ኢትዮጵያ ንኽተስተኻኽል ተዋሂቦምዋ ዝነበሩ ምኽረ ሓሳባት ሓደ ኣብቲ ዝተጠቐሰ ዓንቀፅ ኮንቬክሽን ዘለዋ ተኣቅቦ ከምዘነበረ ተመልኪቱ።

ብመሰረት እቲ ገምጋም ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዓንቀፅ 44 ዝነበራ ተኣቅቦ ዘልዐለት እንትኸውን፥ ድንጋገታት እቲ ፕሮቶኮል ሙሉእ ብሙሉእ ብምኽባር ግቡኣ ከምትዋፃእ ኣረጋጊፃ ኣላ።

ኣብ ዓንቀፅ 44 ዘለዋ ተኣቅቦ ምልዓሉ መቐመጢኡ ኦስትሪያ ቬና ዝገበረ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ምቁፅፃረ ገበንን ሓደገኛ መዐወኒ ሓሽሽን ከምዘፍለጠ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.