Fana: At a Speed of Life!

ኣርሜንያን ኣዘርባጃንን ዝጀመርኦ ኲናት ንከቋርፃ ተሰማሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ኣብቲ ንክልቲኤን ዘሰሓሕብ ዘሎ ዞባ ናጎርኖ ካራባክ ብሞንጎኝነት ኣሜሪካ ኣብ ተዂሲ ናይ ምቁራፅ ስምምዕ በፂሐን።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ዘውፅኦ ሓበሬታ፥ እተን ክልተ ሃገራት ድሕሪ ሓያል ፃዕሪ ዝሓተተ ክትዕ ናብ ስምምዕ ከምዝበፅሓን እቲ ስምምዕ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኸውን ይገልፅ።

ኣርሜንያን ኣዛርባጃንን ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ’ውን ክልተ ግዜ ቶኵሲ ናይ ምቁራፅ ስምምዕ ገይረን ነይረን እየን።

ኣብ ሞንጎ እተን ክልተ ሃገራት 27 መስከረም እዩ ኣብቲ ጎቦታት ዝበዝሖ ዞባ ናጎርኖ ካራባክ ኵናት ተወሊዑ።

እቲ ተገይሩ ዘሎ ስምምዕ ምቁራፅ ተኺሲ፥ ካብ ኣሜሪካ ምክትል ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ስቴፈን በይጋ፣ ሚኒሰትር ጉዳያት ወፃኢ ኣርሜንያ ዞህራብ ምናተሳካንያ ከምኡ’ውን ምኒሰትር ጉዳያት ወፃኢ ኣዘርባጃን ጀይሁን ባይሮሞቭ ድሕሪ ዝገብርዎ ዘተ’ዩ ተኸቲሙ ተባሂሉ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.