Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መቐለ 400 ኩንታል ናይ ረድኤት እኽሊ ናብ መኽዝን ውልቀሰብ እንትራገፍ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መቐለ 400 ኩንታል ናይ ረድኤት እኽሊ ናብ መኽዝን ውልቀሰብ እንትራገፍ ተታሒዙ።

እቲ እኽሊ ካብ ጅቡቲ ብምብጋስ ብቐጥታ ናብ መቐለ ኣዋሽ ተባሂሉ ዝፅዋዕ መኽዘን ክራገፍ እናተገበኦ ናብ ናይ ከልተ ሰባት መኽዘን እንትራገፍ ብመሰረት ሕብረተሰብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኢዩ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ።

ገናሒ መኪናን ሓጋዚኡን ሓዊሱ ሰብ ዋና እቲ መኽዘን ምርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣብ መቐለ ክፍለ ከተማ ሰሜን ኣብ ዘርከብ ከባቢ ላጪ ኣብ ክልተ መኽዝናት እንትራገፍ ዝተትሓዘ ሓገዝ እኽሊ ትማሊ ኣማሲዩ ዝኣተወ እነትኸውን፥ ሎሚ ንጎሆ እንትራገፍ ኢዩ ተታሒዙ።

ብሃይለኢየሱስ ስዩም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.