Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ጉጅለ ጣሊባንን ዘተ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መንጎ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ጉጅለ ጣሊባንን ክካየድ’ዩ ዝተባህለ ዘተ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ምድንጓይ ኣብ ኳታር ጀሚሩ።

ኣብ ፅምብል መኽፈቲ እቲ ዘተ ንምስታፍ ናብ ዶሓ ዘምርሑ ፀሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ ነቲ ዘተ ታሪኻዊ ክብሉ ገሊፀምዎ።

እቲ ዝርርብ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ጣሊባንን ዝተበፅሐ ናይ ፀጥታ ስምምዕ እዩ ክጅምር ነይርዎ።

ኣብ ጉዳይ ምልውዋጥ እሱራት ዝፀንሐ ዘይምርድዳእ፥ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ ተወሲኽዎ ነቲ መስርሕ ከጓትቶ ምፅንሑ ተገሊፁ።

ወኪል መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ብዓርቢ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ንምስታፍ ናብ ዶሃ ምምርሖም ተሓቢሩ።

ጣሊባን ብሓሙስ ናይ መወዳእታ ሽዱሽተ እሱራቱ ምስ ተፈትሑ ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝሳተፍ ኣረጋጊጹ ኢዩ።

እቲ ስምምዕ ናይ መወዳእታ መልክዑ ንኽሕዝ ልዕሊ ዓመት ከም ዝወሰደሉን እዚ ኣብ መንግስትን ጣሊባንን ዝግበር ርክብ ድማ ዝተሓላለኸን ዝያዳ ግዜ ዝወስድን ከም ዝኸውን ይግመት።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.