Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሰደድ ፍሪያት ዘለው ዕድላትን ፀጋታትን ብሙሉእ ዓቕሚ ንምጥቓም ዝኽእል ስልጠና ኣብ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዘፈራት ኣንእሽተይን ማእኽሎዎትን ማንፋኽቸሪንግ ኢንዱስትሪ፣ ኣብ ሰደድ ፍርያት ዘለው ዕድላትን ፀጋታትን ብሙሉእ ዓቕሚ ንምጥቃም ዝኽእል ስልጠና ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ስልጠና ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ን10 መዓልቲ ዝፀንሕ እንትኾን፥ ኣንእሽተይን ማእኽሎዎትን ማንፋኽቸሪንግ ኢንዱስትሪ ፌዴራል ምስ ኤጀንሲ ኣናእሽተይን ማእኽሎዎትን ማንፋኽቸሪንግ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ብምትሕብባር እዩ ዝወሃብ ዘሎ።

ኣብቲ ስልጠና ኣብ ዘፈር ጨርቃመርቂ፣ ውፅኢት ቆርበት፣ ቕመማ ቕመምን ባህላዊ ኣልባሳት ምፍራይን ምሻጥን ዝተዎፈሩ 34 መፍረይቲ ይሳተፋ ኣለዉ።

ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ልምዓታዊ ትልሚ ኤጀንሲ ኣናእሽተይን ማእኽሎዎትን ማንፋኽቸሪንግ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ኣይተ ኪዳይ ወላይ፥ ሰደድ ትግራይ ብምዕባይ ቑጠባ ሕብረተሰብ ብምጉልባት ኣብ ሰደድ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ መንግስቲ ትግራይ ጠመተ ሂቡ ይሰርሕ ምህላዉ ሓቢሮም።

ሙሉጌታ ታደለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.