Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቡርኪናፋሶ ብዝተፈፀመ ግበረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ 36 ሰባት ተቐቲሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሰሜናዊ ቡርኪናፋሶ ብዝተፈፀመ ግበረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣስታት 36 ሰባት ከምዝሞቱ መንግስቲ እታ ሃገር ገሊፁ።

እቶም ብረት ዝዓጠቑ ጉጀለ ኣብ ሓደ ዕዳጋ 32 ሰባት ክቐትሉ እንለው፥ ኣብ ካልኦት ኣርባዕተ ዓድታት’ውን መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ተሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ብመን ከምዝተፈፀመ እኳ እንተዘይተገልፀ፥ ኣብ ቡርኪናፋሶ ብሓያሎ እስላማውያን ዕጡቓት ዝፍፀሙ ተግባራት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብተደጋጋሚ ክረኣዩ ፀኒሖም’ዮም።

ዝሓለፈ ሰሉስ ባይቶ እታ ሃገር ሲቪላዊ ወለንተኛታት ነቲ እስላማዊ ጉጅለ ንኽቃለሱ ብረት ክዓጥቑ ከምዝወሰነ ገሊፁ ነይሩ።

እቶም ወለንተኛታት ን14 መዓልታት ዝፀንሕ ወተሃደራዊ ታዕሊም ከምዝወሃቦም’ውን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊፀን ኢየን።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.