Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቻይና ዝመሃሩ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ብቫይረስ ኮረና ንኸይልከፉ ዘኽእል ክትትል ይግበር ኣሎ – ኣይተ ነቢያት ጌታቸው

ኣዲስ ኣበባ፣6 ለካቲ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መሪሕ ሓሳብ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብታ ኣህጉር ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ዘገናዘበ ብምዃኑ ኣብ ኣፍሪካ ሰላም ክሳብ ዝነገስ ተግባራዊ ክኸውን ዝግበኦ ኢዩ ክብሉ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ነቢያት ጌታቸው ገሊፆም።

ኣይተ ነቢያት ሎሚ መዓልቲ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት መግለፂ ሂቦም።

እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ “ድምፂ ጥይት ዘይስመዐላ ኣህጉር ብምፍጣር ንልምዓት ኣፍሪካ ምቹው ኩነታት ምፍጣር” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብታ ኣህጉር ሰላም ክሳብ ዝነግስ ተግባራዊ ክኸውን ዝግብኦ ኢዩ ኢሎም።

እቲ መሪሕ ጭርሖ፥ ኣብ ኣፍሪካ ጎንፂን ኲናትን ንምውጋድ ዓሊሙ መሰረታዊ መበገሲታት ብምፍላይ ዕልባት ምሃብ ከምዘድሊ ዘርእይ ብምዃኑ ተግባራዊ ምግባር ዝጠቅም ከምዝኾነ ኢትዮጵያ ምግላፃ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ብብርኪ ኣፍሪካ ይኹን ዓለም ለኻዊ ኣብ ዝካየዱ ውድድራት ምርጫ ንክትዕወት ዘኽእሉ ብዙሓት ስራሕቲ ዝተስርሐሉ ጉባኤ ከምዝነበረ ሓቢሮም።

ካብዚ ሓሊፉ እዛ ሃገር ንክልተ ትካላት እቲ ሕብረት፣ ንቤት ምኽሪ ሰላምን ፀፅታን ሕብረት ኣፍሪካን መድረኽ ፓናል ፍሉጣት ሰባት ሕብረት ኣፍሪካን ከምዝመርሐት ኣገንዚቦም።

ጉድኒ ንጎድኒ እቲ ጉባኤ ምስ ፕሬዚዳንት ናይጀሪያ መሃሙዱ ቡሃሪ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ኖርዌይ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳን ካልኦት መራሕቲን ዘተ ከምዝገበረት ኣፍሊጦም።

ምስ ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ብምትሕሓዝ ብመሰረት ዝተሰርሐ ስራሕ 128 ኣብ ታንዛኒያ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ብምውፃእ ሎሚ መዓልቲ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኢዮም ዝበሉ ኣይተ ነቢያት፥ ኣብ ቻይና ዝመሃሩ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ብቫይረስ ኮረና ንኸይልከፉ ዘኽእል ክትትል ይግበር ምህላዉ እውን ሓቢሮም።

እቶም ኣቐባሊ ቃል ሚኒስትር ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ካብ 9 ክሳብ 11 ለካቲት 2012 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ከምዝገብሩ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.