Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኢድ ኣእታውነት ሃገራት ወፃኢ ብምቅዋም ሰልፊ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኢድ ኣእታውነት ሃገራት ወፃኢ ብምቅዋም ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ከባቢ ኦስሎ ነበርቲ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን፥ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኢ-ፍትሓዊ ብዝኾነ መገዲ ዘመሓላለፎ ውሳነ ብምቅዋም እዮም ሰልፊ ኣካይዶም።

ምክትል ኣቦመንበር ኮሚዩኒቲ ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ኖርዌይ ኣይተ ለማ ደስታ፥ ሰኔት ኣሜሪካ(S.Res 97) ብዝብል ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኢ-ፍትሓዊ ብዝኾነ መገዲ ዘመሓላለፎ ውሳነ ስዒቡ፥ መነግስቲ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ፣ ወተሃደራዊን ኣባላት ድሕንነትን ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ስራሕ ክልል ኣምሓራ ገደብ ቪዛ ምንባሩ ኣብዛ ሃገርን ከባቢያዊ ጉዳያትን ብቐጥታ ጣልቃ ምእታዉ ንሉእላውነት ዝፃረር ሓደገኛ ኣካይዳ ከምዝኾነ እቶም ሰልፈኛታት ብፅኑዕ ከምዝኹኑኑ ኣፍሊጦም።

ብተወሳኺ ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ናብ ስልጣን እንትመፅኡ “America is back” ብምባል ናብ ትኽክለኛ ጎደና ዲፕሎማሲን ፅቡቕ ኣመራርሓን ከምእትምለስ ንማሕበረሰብ ዓለም ዝኣተውዎ ቃል ናብ ጎድኒ ብምግዳፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቃ ናይ ምእታው ተግባሮም ምቕፃሉ ኣዝዩ ከምዘሕዘኖም ገሊፆም።

ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝተሰሓሓተ ፖሊሲ ርክብ ወፃኢ ተካይድ ብምህላዋ እዚ ተግባር ብህፁፅ ንክተመሓይሽ ሓቲቶም።

ሴኔት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ትህነግ ብዝነዝሖ ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ብምድራኽ ዘመሓላለፎ ውሳነ ብዘይ ቅድመ ኩነት ንክለዓል፣ ኢትዮጵያ ብኣሸባሪነት ምስ ዝፈረጀቶ ውድብ ንክትደራደር ዝቐርብ ዘሎ ፃውዒት ተቐባልነት ዘይብሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።

መነግስቲ ኣሜሪካ ናይ ባዕሉ ባህጊ ዘፈፅምሉ መራሕቲ ንኢትዮጵያ ንምምራፅ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ተቐባልነት ከምዘይብሉ እውን ኣፅንኦት ሂቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.