Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከበድቲ ገበናት ተዋደፊሮ ዝነበሩ 34 ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከበድቲ ገበናት ተዋደፊሮ ዝነበሩ 34 ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ኣብ ከበድቲ ገበናት ተዋፊሮም ዝተረኸቡ እቶም ተጠርጠርቲ፥ ጉጅለ ብምፍጣር ብኣፅዋር ተሓጊዞም ኣብ ዓበይቲ ትካላት ገበን ስርቂን ደብዳብን እናፈፀሙ ዝነበሩ ከምዝኾኑ ገሊፁ።

ብዝተወደበ መገዲ ኣብ ተግባር ጉሕለት ዝተዋፈሩ እቶም ተጠርጠርቲ፥ ክባር ኣቑሑትን ገንዘብን ዘፅንዕ፣ ግዘን ቦታን ዘመዓራሪዩ ዝጉሕልን ዝሸይጥን ሰለስተ ጉጅለ ከምዘለዎ ተፈሊጡ ኢዩ ኢሉ እቲ ኮሚሽን።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስግኣት ድሕንነት ከምዘሎ ብምምሳል ናይ ሕሶት ሓበሬታ ዝፍንዉ መራኸብቲ ሓፋሽን ምሓበራዊ ሚዲያታትን ካብ ተግባሮም ንኽዕቀቡ ኣተሓሳሲቦም።

እዚ ተመሓላሊፎም ዝተረኸቡ ኣካላት ስጉምቲ ከምዝውሰደሎም እውን እቶም ኮሚሽነር ኣገንዚቦም።

6ይ ሃገራዊ መረፃ ብሰላም ንኽዛዘም ልዕሊ 4 ሺሕን 180 ሓደሽቲ ዝተመልመሉ ፖላዊስ ናብቲ ኮሚሽን ከምዝተፀምበሩ ብምግላፅ እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ሓቢሮም፡፡

ኣብታ ኸተማ ናይ ወፃኢ ሃገር ዜግነት ዘለዎም ውልቀሰባት ኣብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብን ገበን ምጭብርባርን ምውፋሮም ተፈሊጡ ኢዩ ዝበሉ ኮሚሽነር ጌቱ፥ ናብ ፍርዲ ቀሪቦም ኣብ ቤት ህንፀት ዝርከቡ ምህላዎም ኣረጋጊፆም።

ለበዳ ኮቪድ ኣብ ምክልኻል ምዝንጋዕ ሕብረተሰብ “ኣተሓሳሲቡኒ” ዝበለ እቲ ኮሚሽን፥ ፕሮቶኮል ኮቪድ-19 ኣብ ልዕሊ ዘይትግብሩ ውልቀሰባት ስጉምቲ ከምዝወስድ ምግላፁ እውን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.