Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ፅባሕ ሰንበት ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ እዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ንግበረ ራዕዲ ህወሓት ብምኹናን ፅባሕ ሰንበት ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ እዮም።

እቲ ሰልፊ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝድግፍን ኣብ ኵናት ዝርከቡ መናእሰይ ትግራይ ኢድ ንኽህቡን ዘተሓሳስብ መልእኽቲ ዘለዎ እዩ።

ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣመልኪቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዓበይቲ ዓዲ ካብ ፖለቲካ ወፃኢ ዝኾኑ ኣካላት ማሕበረ ሰብን ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ “ትግራዋይይ ዝኾነ ኩሉ ልክዕ ከም ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣብ ምህናፅ ሃገር እምበር ከምቲ ጉጅለ ግበረ ራዕዲ  እናነዝሖ ዝርከብ ኣብ ዕንወት ሃገር ክሳተፍ የብሉን” ኢሎም።

ኩሉ ትግራዋይ ልክዕ ከም ኻልኦት ኢትዮጵያዊ ኣሕዋቱ ነቲ ግረ ራዕዲ ክኹንን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክድግፍን ከምዝግባእ እቶም ዓበይቲ ዓዲ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

“ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ኣይውክልን፣ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ብሽም ህዝቢ ትግራይ እናነገደ ዝርከብ ውድብን ሓይሊ ግበረ ራዕዲ እዩ፣ ህዝቢ ትግራይ ነቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዕድመ ንምንዋሕ ደቑ ክግብር ኣይግባእን፣ ኣብ ኵናት ወፊርኩም እትርከቡ መንእሰይ ተጋሩ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢድኩም ሃቡ፣ ክብሉ ኣምባሳደር ምዑዝ ገብረመድህን ገሊፆም።

ካብቶም ካብቶም ዓበይቲ ዓዲ ሓደ ዝኾኑ መምህር ተስፋይ ኣለማየሁ ብግደኦም÷ ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣሕዋቱ ኣብ ምህናፅ ሃገር ዝረባረብ እምበር ሃገር ኣፍራሲ ኣይኮነን፣ ህዝቢ ትግራይ ልክዕ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ከም ዝብሎ ዝግንፀል ዘይኾነስ ሓድነት ሃገሩ ክሰጥም ዝደሊ ኢትዮጵያዊ እዩ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ሰዓት 12 ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ሰታዲየም ኣበበ በቂላ ተረኺቡ ተሳታፊ ክኸውን ከምዝግባእ እቲ መግለፂ ዝሃቡ ዓበይቲ ዓዲ ሓቲቶም።

ብታሪኩ ወ/ሰንበት

ፍልፍል ስእሊ፦ ዋልታ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.