Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ኣብ ዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ካብ ቫይረስኮሮና ንባዕሉ ብምክልኻል ንክሳተፍ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ሓምለ ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ኣብ ዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ካብ ቫይረስ ኮሮና ንባዕሉ ብምክልኻል ንክሳተፍ ምክትል ከንቲባ ኢንጅነር ታከለ ኡማ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ምክትል ከንቲባ ፅባሕ ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ዝካየድ ምትካል 2 ሚሊየን ፈልሲ ብዝምልከት ንላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ኣንፈት ሂቦም።

ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ጎድኒ ንጎድኒ እቲ ምትካል ፈልሲ ካብ ሚኒስቴር ጥዕናን ቢሮ ጥዕና እታ ከተማን ዝወሃቡ መምርሒታት ተግባራዊ ብምግባር ንገዛእ-ርእሱ ካብቲ ለበዳ ክከላኸል ምዒዶም።

ኣብታ ከተማ ሎሚ ዘበን ክትከል ብትልሚ ካብ ዝተትሓዘ 7 ሚሊየን ፈልሲ ልዕሊ 4 ነጥቢ 6 ሚሊየን ከምዝተተኸለ ኣፍሊጦም።

ካብ መንጎ እቶም ዝትከሉ ፈልሲታት ንምግብነት ዘገልግሉ ፈልሲታት ፍራምረን ኣትክልቲን ከምዘለውዎም ብምሕባር፥ እቶም ፈልሲታት ንከተማ ሕርሻ ልዑል ግደ ከምዘለዎም ሓቢሮም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ዝሳለጥ ምትካል ፈልሲ ካብ ንጎሆ ሰዓት 12 ከምዝጅምር ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.