Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ሶማሌ ነበርቲ ዞባ ጀረር መንግስቲ እናከካየዶ ዝርከብ ምንቅስቓስ ምኽባር ሕጊ ብምድጋፍ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ከምዝኾኑ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኣብ ክልል ሶማሌ ነበርቲ ዞባ ጀረር መንግስቲ እናከካየዶ ዝርከብ ምንቅስቓስ ምኽባር ሕጊ ብምድጋፍ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ክልል ሶማሌ ዑደት እናገበሩ ዝርከቡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እ ክልል ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓታትን ኣብ ዞባ ጀረር ጣቢያ ኣቦከር እንትበፅሑ ኣቀባብላ ተገይሎም።

እም ነበርቲ ጉጅለ ህወሓት ንዘበናት ህዝቢ እናቐተሉን እናሳደዱን ምንባሮ ከየኣክል ስልጣን ካብ ኢድና እንተወፂኡ ኣይንነብርን ብዝብል ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘብሑዎ ክሕደትን መጥቃዕቲን ከምዝኹንኑ ገሊፆም።

እቶም ነበርቲ ኩልጊዜ ኣብ ጎኒ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ደው ከምዝብሉ ምርግጋፆም ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድን ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ክልልን ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኢሉ እውን ኣብ ሰላምን ልምዓትን ኣድሂቦም ምስቶም ነበርቲ ምይይጥ ኣካይዶም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.