Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ፋፈን ብኩታ ገጠም ሕርሻ ዝለምዐ ግራውቲ ስርናይን ምሸላን ዑደት ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሶማሌ ዞባ ፋፈን ብኩታ ገጠም ሕርሻ ዝለምዐ ግራውቲ ስርናይን ምሸላን ዑደት ተኻይዱ።

ኣብቲ ዑደት ሚኒስትር ሕርሻ ኣይተ ዑመር ሑሴን፣ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ኢብራሂም ዑስማንን ካልኦት ኣመራርሓታትን ተሳቲፎም፡፡

ኣብ ዘበነ ምህርቲ እዚ ዓመት ልዕሊ 500 ሺሕ ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ስርናይ ከምዝለምዐ፣ ካብዚ ድማ 14 ሚሊየን ኩንታል ምህርቲ ትፅቢት ከምዝግበር፡፡

ኣብ ዞባ ፋፈን ዝተረኸበ ልምዲ ናብ ኣርባዕተ ዞባታት ንምስፋሕ ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዝገለፁ ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኢብራሂም ዑስማን፥ ኣብ ክረምቲ ካብ ሞንጎ ዝፈረየ ስርናይ 50 ሄክታር ዝተባዝሐን ዝራእቲ ከምዝኾነን ሚኒስቴር ሕርሻ እናሃቦ ዝርከብ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅልን ሓቲቶም፡፡

ኣይተ ዑመር ሑሴን ብግደኦም፥ ኣብ ክልል ሶማሌ ስርናይ ብኩታ ገጠም ለሚዑ ብምርኣዮም ከምዝተሓጎሱን እዚ ድማኣብ ከባቢታት ሰበኽ ሳግምን ክፋል ሰበኽ ሳግምን ኩታ ገጠም ሕርሻ ምፍራይ ከምዝከኣል ዘርኢ ከምዝኾነን ገሊፆም፡፡

ናይ ምልማዕ ዓቕሚ እቲ ክልል ብግቡእ ምጥቃም እንተተኻኢሉ፥ ሃገራዊ ድሌት ምህርቲ ንምምላእ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ርኡይ ብፅሒት ክህልዎ ከምዝኽእል ተዛሪቦም፡፡

እቲ ክልል ኣብ እዋን ክረምቲ ዝጀመሮ ስራሕ ኣብ እዋን ሓጋይ እውን ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝግበር ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ሕርሻ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.