Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጎኒ ህወሓት ተሰሊፎም ዝነበሩ 120 ዕጡቓት ናፅነት ዓፋር ዝተሃቀነሎም ጥፍኣት ተግባራዊ እንተይገበሩ ብሰላም ናብቲ ክልል ምእታዎም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ጥሪ ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ጎኒ ህወሓት ተሰሊፎም ዝነበሩ 120 ዕጡቓት ናፅነት ዓፋር ዝተሃቀነሎም ጥፍኣት ተግባራዊ እንተይገበሩ ብሰላም ናብቲ ክልል ክኣትዉ ከምዝተገበረ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣፍሊጡ።

ዝመፅአ ለውጢ ስዒቡ ካብ በረኻታት ኤርትራ ናብ ሃገር ዝኣተዉ ዕጡቓት “ኡጉጉሙ” ሓደ ዓመት ዝኣክል ብጉጅለ ህወሓት ስልጠና ተዋሂቡዎም ንጥፍኣት ይዳለዉ እምበር፤ ብናይ ሓባር ፃዕሪ መንግስቲ ክልል ዓፋርን ሰራዊት ምክልኻልን ንኽምለሱ ተገይሩ ዘተ ሰላም ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

እቶም ዕጡቓት ዝተቐበሎም ቅድሚ ሕዚ ንምስዳዶም ምኽንያት ዝነበረ ህወሓት፥ ዕድሉ ተጠቒሙ ንኻሊእ ጥፍኣት ከምዘዋፈሮም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

120 ዕጡቓት ኣጉጉሙ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ስልጠና ተዋሂቡዎም ንጥፍኣት ይዳለዉ እምበር፥ ብሓበራዊ ጥምረት ክልል ዓፋርን ሰራዊት ምክልኻልን ብሰላማዊ መገዲ ምስ ዕጥቆም ካብ ክልል ትግራይ ናብ ክልል ዓፋር ክኣትዉ ከምዝተገበረ ተገሊፁ ኣሎ።

ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል መጥቃዕቲ እንትፍፅም፤ ዕጡቓት ኡጉጉሙ “ህዝቢ ዓፋር ንኢትዮጵያ ናይ ምኽዳዕ ታሪኽ ከምዘየውረሶም” ብምግላፅ ነቲ ፃውዒት ሰላም ከምዝተቐበሉ መተሓባበርቲ እቶም ዕጡቓት ተዛሪቦም።

ሓላፊ ዋና መምርሒ ሓበሬታ ምክልኻልን ሰብኣዊ ሓበሩታን ብርጋዴር ጄነራል ደምስ ኣመኑ፥ ህወሓት ጉጅለ ዕጡቓት ኡጉጉሙ ብምጥቃም ዋና መገዲ ጅቡቲ ናይ ምቁፅፃር ትልሚ ከምዝነበሮ ገሊፆም።

ኣባል ምውፋር እቲ ዋና መምርሒ ኮሎኔል ጤናው ዳምጠው ከምዝበሉዎ ድማ፥ እቶም ዕጤቓት ስልጠና እንትወሃቦም ሰላማዊ ምንቅስቓስ ክልል ዓፋር ናብ ፀገም ንምእታው እውን ተሓሲቡ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ብግደኦም፥ መቐለ ካብ ክልተ ዓመት ንደሓር ምሽግ እቲ ዋና ጉጅለ ጥፍኣት ኮይና ከምዝፀንሐትን ህወሓት ነቶም ዕጡቓት ተጠቒሙ ክልል ዓፋር ንምህዋኽ ሓሲቡ ከምዝነበረ ገሊፆም።

እቶም ዕጡቓት ኡጉጉሙ፥ ኣብ ቀፃሊ ዕጥቆም ፈቲሖም ብዝደለዩዎ ዘፈር ስራሕ ተዋፊሮም ተረባሕቲ ንኽኾኑ ሓገዝ ከምዝግበረሎም ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.