Fana: At a Speed of Life!

ከቢድ ገበን ዘረፋን ሽፍትነትን እናፈፀሙ ዝነበሩ 14 ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲ ኣበባን ከባቢኣን ተወዲቦም ከቢድ ገበን ዘረፋን ሽፍትነትን ብምፍፃም ሰላም ህዝቢ እናሃወኹ ዝነበሩ 14 ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብዝተገበረ ልዑል ኦፕሬሽን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓሎም ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

ነባሪ እታ ከተማ ኣብ ስግኣት ንኽነብር ካብቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ልኡኽቶ ተቐቢሎም ዝንቀሳቐሱ ተለኣኣኽቲ ናይ ምእራይ ተግባሩ ተጠናኺ ከምዝቕፅል እቲ ግብረ ሓይሊ ገሊፁ።

ናይ ውሽጢን ወፃኢን ፀላእቲ ተዋዲዶም ካብ ሞንጎ ዝኸፈቱዎም ኩለመዳይ ኲናት ሓደ ኣብ ከተማ ዝተሓብኡ ልኡኻት ብምጥቃም እንተቐኒዑዎም ብጋህዲ፣ እንተዘይኮይኑ ድማ ብሕቡእ ሰላም ነበርቲ ብምህዋኽ ሕብረተሰብ ዋሕስ ድሕንነት ከይስመዖ ብምግባር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዘለዎ እምነት ክስእን ምግባር ቀንዲ ልኡኽቶኦም ከምዝኾነ እቲ ግብረ ሓይሊ ገሊፁ።

ናይ ውሽጢን ወፃኢን ፀላእቲ ተዋዲዶም ካብ ሞንጎ ዝኸፈቱዎም ኩለመዳይ ኲናት ሓደ ኣብ ከተማ ዝተሓብኡ ልኡኻት ብምጥቃም እንተቐኒዑዎም ብጋህዲ፣ እንተዘይኮይኑ ድማ ብሕቡእ ሰላም ነበርቲ ብምህዋኽ ሕብረተሰብ ዋሕስ ድሕንነት ከይስመዖ ብምግባር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዘለዎ እምነት ክስእን ምግባር ቀንዲ ልኡኽቶኦም ከምዝኾነ እቲ ግብረ ሓይሊ ገሊፁ።
ዋላኳ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋነናት እኩይ ተግባሮም ንምዕዋት እንተፀዓሩ፥ ብዝርገሐ ሓበሬታ ሕብረተሰብን ብልዑል ፃዕሪ ሓይሊ ፀፅታን ኣብ ብሕቲ ቁፅፅር እናወዓሉ ከምዝርከቡ ገሊፁ።
ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ሎምቅነ ብዘካየዶ ዝተዋደደ ኦፕሬሽን፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ለሚኩራን ካልኦት ክፍለ ከተማታትን እናተንቀሳቐሱ ከቢድ ዘረፋን ሽፍትነትን ሓዊሱ ሞባይል ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ብዘይሕጋዊ መገዲ ገንዘብ እናዘዋወሩ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ 14 ተጠርጠርቲ እቶም ሓሙሽተ ኣብ ብሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።
ብመሰረት እዚ ኣብ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ፦ ኤርያስ ሓጎስ፣ ደሳለኝ ሓዱሽ፣ ኣያሌው ሃይሌ፣ ታደሰ ጣፈጠን ሃብቶም ወልዱን ዝተብሃሉ ኣባላት እቲ ጉጅለ ዘረፋ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ገሊፁ።
ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ተጠርጠርቲ 10 ዘረፋታትን ከበድቲ ገበናት ሽፍትነትን ዝፈፀሙ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።
“እቶም ውልቀ ሰባት ንዝፈፀሙዎ ገበን ጭቡጥ መረዳእታ ዝተረጋገፀሎም ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ ገበን ከምዝፈፀሙ አሚኖም ቦትኡን ኣፈፃፅሙኡን ነቲ ጉጅለ ምርመራ መሪሖም ኣርእዮም እዮም” ኢሉ።
ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ 10 መዛግብቲ ምርመራ ተከፊቱ ምርመራ ናይ ምስፋሕ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ እቲ ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ።
ብኻሊእ መዳይ መቐመጢኦም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምግባባር ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ብገንዘብ ንምጥንኻር ልኡኽቶ ተቐቢሎም ምስጢራዊ መስመር ርክብ ብምዝርጋሕ ልኡሽ ግብረ ራዕዲ ዘመሓላልፉሉ “ቻናል 29” ዝበሃ ኣካውን ቴሌግራም ብምኽፋትን ስሞም ብቐሊሉ ከይፍለጥ ብቀለም ክሃስስ ብምግባር ምስጢሩ ዝሓለወ ገበን ከምዝፈፀሙ ኣብሪሁ።
እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታ ብዝገበሮ ምርመራ ስሞምን ንዕላማ ግብረ ራዕዲ እናተጠቐሙሉ ዝነበሩ ቁፅሪ ሒሳብ ባንኪን ክፈልጥ ከምዝኸኣለን ኣፍሊጡ።
ቻናል 29 ብምጥቃም እቲ ዘይሕጋዊ ተግባር እናፈፀሙ ካብ ሞንጎ ዝተረኸቡ፥ ቤላ ገብረዮሃንስ ኣብርሃ፣ ግርማይ ተክላይ ኣብርሃ፣ ፂዮን በርሄ ረዳ፣ ኢክራም ኣህመድ ሰይድ፣ ትርሓስ እቁባይ ይበይን፣ ሚካኤል ዘርኣይ ወልደ ጊዮርጊስ፣ እሌኒ ተስፋዬ ካሳ፣ ገብረ ህይወት በርሄ ገብረ ሚካኤልን ገብረኣምላክ ገብረመድህን ኣረጋዊን ዝተባህሉ ተጠርጠርቲ ከምዝርከቡዎም እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ገሊፁ።
ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዓካዓካሪቱ ተወቒዑ ግብኣተ መሬቱ እንትቐርብ ተለኣኣኽቱ ምንፍርጋጦም በምዘይተርፍ ብምግንዛብ፥ ሕብረተሰቡ ከባቢኡ ብምሕላውን ሓይሊታት ፀፅታ ንዝገብሩዎ ቅኑዕ ምትሕብባርን ክቕፅል ብምግባር ዝተለመደ ሓገዙ ንኽቕል ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ፃውዒቱ ኣመሓላሊፉ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.